Friday , April 26 2024

ሃገረ ሱዳን፡ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት ተቐቢላ

ሃገረ ሱዳን፡ ብረቡዕ ዕለት 03/03/2021፡ ብመንገድ ኮቫክስ ኣቢሉ፡ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት ከምዝተቐበለት ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ዓብደላ ሓምዱክ፡ ብመንገዲ ውልቃዊ ሒሳብ ትዊተር ገሊጹ።

እዚ ኣብ ቀዳማይ እብረ ዝመጸ 820 ሽሕ ብልቃጥ ክታበት፡ ሓደ ክፋል ካብቲ ብመንገዲ ኮርቫክስ ንሱዳን ክበጽሕ ተመዲቡ ዘሎ 3.4 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ምዃኑ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓቢሩ።

ብመንገዲ ኮቫክስ ዝዕደል ጸረ ኮሮና ክታበት ካብ ዝረኸባ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ሃገረ ሱዳን፡ መበል ሳልሰይቲ ክትከውን እንከላ፡ ካብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ድማ ናይ መጀመርያ ሃገር ምዃና ይፍለጥ።

በዚ ተረኺቡ ዘሎ ክታበት፡ ሃገረ ሱዳን፡ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝሰርሑን ንሽማግለታትን ከም ቀዳምነት ገይራ፡ መስርሕ ክታበት ክትጅምር ምዃና፡ ሓምዱክ፡ ሓቢሩ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com