Tuesday , March 19 2024
(AP Photo/Joao Matos) XAF154

ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ሽወደን ን ጆርጅያ 15 ብ 0 ስዒራታ።

ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ደቂተባዕትዮ ሽወደን ኣብ ቐጠር ኣብ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ንምስታፍ ኣብ መጻረዪ ውድድር እኳ እንተተረፈት፡ ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ሽወደን ግና ጽባሕ ሰሉስ ምስ ኣየርላንድ ኣብ ዝግበር ግጥም እንተስዒራ ናብ መወዳእታ ግጥም ዋንጫ ዓለም 2023 ክትሰግር እያ። ሓሙስ ምሸት ምስ ጆርጂይ ኣብ ዝነበራ ግጥም ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ሽወደን 15 ብ 0 ከም እተዓወተት ዝፍለጥ እዩ። ኣብ 2010 ኣብ ተመሳሳሊ ግጥም ሃገራዊት ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ሽወደ ን ጋንታ ኣዘርባዣን 17-0 ምስዓራ ዝዝከር እዩ። ሽዱሽተ ጸወታታት ብተኸታታሊ ስዒራ ዘላ እዛ ጋንታ ካብ ኲለን ተጋጠምቲ ዋንጫ ዓለም እቲ ዝለዓለ ነጥቢ ከም ዘለዋን ንኣየርላንድ ብ 11 ነጥቢታት ትመርሓ ምህላዋን ጸብጻብ ስፖርት ሬድዮ ሽወደን ወሲኹ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com