Saturday , April 27 2024

ሄልሲንኪ ኣብ ሓፈሻዊ ደረጃ ትምህርቲ ህዝባ ርኡይ ወሰኽ ብምርኣያ፡ ምሁር ዓቕሚ ሰብ ትስሕብ

Students in Stockholm can now be tested for COVID using simpler methods. (även arkiv), Metro, DI och Stockholm City***

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡ ሄልሲንኪ ኣብ ሓፈሻዊ ደረጃ ትምህርቲ ህዝባ ርኡይ ወሰኽ ብምርኣያ፡ ልዑል መጠን ምሁር ዓቕሚ ሰብ ምስሓባ ተፈሊጡ። ይኹን እምበር እዚ ኣንፈት ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት እታ ከተማ ተመሳሳሊ መጠን ዝርግሐ የብሉን ይበሃል ኣሎ። ካብ ቤት ጽሕፈት ከተማ ዝወጸ ሓድሽ ሕታም ከምዘመልክቶ፡ ዋላ’ኳ ነዚ ፍልልያት ንምጽብባብ ይስራሕ እንተሎ፡ ኣብ መንጎ ዝለዓለን ዝወሓደን ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ከባቢታት ዘሎ ፍልልይ ኣዝዩ ምርኡይ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ኩለን ኣውራጃታት ሄልሲንኪ ቁጽሪ ድሕሪ መሰረታዊ ትምህርቲ ዘይብሎም ነበርቲ ኣብ ምንካይ ዓወት እኳ እንተመዝገባ፡ ወሰኽ ደረጃ ላዕለዋይ ትምህርቲ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ጥራይ ዝያዳ ጎሊሑ ይርአ’ሎ። እቲ ለውጢ ብፍላይ ኣብቶም ካብ 25–44 ዝዕድሚኦም ሰባት ርኡይ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝለዓለ ብቕዓቶም ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ጥራይ ዝኾኑ ዜጋታት እናወሓዱ ይመጹ፡ለዉ። መንእሰይ ወለዶ እታ ሃገር ካብ ካልኣይ ደረጃ ንላዕሊ ትምህርቲ ምቕጻል ይመርጹ’ለዉ።

ይኹን እምበር ኣብ ገለ ብታሪኽ ትሑት ደረጃ ትምህርቲ ዘለወን ኣውራጃታት፡ ምውሳኽ ደረጃ ትምህርቲ ብቐንዱ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ጥራይ ተደሪቱ’ሎ። ብሓፈሻዊ ምዕባለታት እኳ እንተተራእየ፡ ኣብ ሄልሲንኪ ዘሎ ናይ ትምህርቲ ድኽመት ገና ኣብ ፍሉያት ኣውራጃታት ብፍላይ ድማ ኣብ ምብራቓውን ሰሜናዊ ምብራቕን ክፋላት እታ ከተማ ጻዕቂ ይርከብ ኣሎ። ኣብዞም ከባቢታት ብዝሒ ዝኾነ ብቕዓት ዘይብሎም
ነበርቲ እኳ እንተነከየ፡ ብመንጽር ትሑት ትምህርታዊ ፕሮፋይሎም ብተዛማዲ ብዙሕ ከምዘይተቐየሩ ተገምጊሙ’ሎ። ብኻልእ መዳይ ልዑል ደረጃ ትምህርቲ ዘለወን ከባቢታት ካብዘን ትሑት ትምህርቲ ዘለወን ኣውራጃታት ርኡይ ቁጽሪ ነበርቲ ዘይምስሓበን
ኣዘራራቢ ኮይኑ’ሎ። ብዙሓት ቅድሚ ሕጂ ትሑት ትምህርቲ ዝነበራ ኣብ ከባቢ ሄልሲንኪ ዝርከባ ዓዲታት ኣወንታዊ ምዕባለ ዘርኣያ ኮይነን፡ ብዝሒ ልዑል ትምህርቲ ዝወሰዱ ነበርቲ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ኣንፈት እዚ ኣብ መንጎ እዞም ከባቢታትን ላዕለዋይ ትምህርቲ ዘለወን
ኣውራጃታትን ዘሎ ክፍተት እናጸበበ ይኸይድ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ። ብሓፈሻ ኣብ ደረጃ ትምህርቲ ዝተመርኮሰ ናህሪ ዞባዊ ምፍልላይ ዝሕታለ የርኢ ምህላዉ “ሄልሲንኪ ታይምስ”–ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com