Sunday , April 28 2024
This is what it looked like in the villa area Hemlingby in Gävle on 18 August. Foto Fredrik Sandberg / TT kod 10080

ህቦብላ ዝተሓወሶ ዝናብ፡ ክረአ ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ተመሓላሊፉ

ኣብተን ዝሓለፈ ሰሙን ብሓያል ምዕልቕላቕ ዝተሃስያ ከባቢታት የስትሪክላንድን ኡፕላንድን (Gästrikland and Uppland) ሎሚ ለይቲ ረቡዕን ጽባሕ ሓሙስ ንግሆን ኣብ ዘሎ ግዜያት፡ ዳግማይ ህቦብላ ዝተሓወሶ ዝናብ ክዘንብ ከምዝኽእል፡ ካብ SMHI ቀዳማይ ደረጃ መጠንቀቕታ ተመሓላሊፉ ኣሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብዘን ከባቢታት እዚኣተን፡ ኣብ ሓጺር እዋን፡ ክሳብ ክንድ’ዚ ዓቐን ዘለዎ ዝናብ ክዘንበን፡ ዳርጋ ናይ መጀመርያ እዋን እዩ። ይኹን እምበር፡ ዝያዳ መጠን ዘለዎ ዝናብ ክዘንበን ተኽእሎታት ኣሎ ክብል ክኢላ ሜትሮሎጂ፡ ማክስ ሺልድት ሓቢሩ።

ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሓመድ፡ ጠስጢሱን ተበጽቢጹን ስለዝኾነ፡ ንዝያዳ ዝናብ ዝጻወር ኣይኮነን። ከም ሳዕቤኑ ድማ ሓድሽን ሓያል ዕልቕልቕ ክፍጠር ከምዝኽእል SMHI መጠንቀቕትኡ ኣመሓላሊፉ።

ኣብ ገማግም ያቭለቦሪ፡ ኣብ ሓደ ካልኢት ክሳብ 19 ሜትሮ ክሕንበብ ዝኽእል ሓያል ህቦብላ ንፋስ ክነፍስ ከምዝኽእል SMHI ወሲኹ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

እዚ መጠንቀቕታ፡ ክሳብ ሓሙስ ንግሆ ዝጸንሕ እዩ። ብድሕሪኡ ክሃድእ ክጅምር እዩ ክብል ማክስ ሺልድት ገሊጹ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com