Sunday , April 28 2024
A flooded city is seen in the aftermath of Hurricane Ida, Monday, Aug. 30, 2021, in Lafitte, La. (AP Photo/David J. Phillip) LADP135

ህቦብላ Ida፡ ዓቢ ዕንወት ኣስዒቡ

ኣብ ሉዊዝያና (ደቡባዊ ክፋል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ) ብዝተኸስተ ኢዳ ዝተሰምየ ህቦብላ፡ ዓቢ ዕንወት ከም ዝወረደ ተገሊጹ። ዝዓበየ ክፋል እታ ስቴት (እንተላይ እታ ብሙዚቃ ጃዝ እትፍለጥ ኒው ኣርሊስን) ብሰንኪ እቲ ህቦብላ ብማይ ኣዕለቕሊቐን ብዘይ ኤሌክትሪካዊ ጸዓት ምትራፈን እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ጎደቦ ሉዊዝያና ኣብ ዝኾነት ሉሲደል፡ ብሰንኪ እቲ ህቦብላ ሓደ ሃይወይ ዓንዩ’ሎ። እዚ ዕንወት ብዝፈጠሮ ጒድጓድ፡ መካይን ኣብ ሓደጋ ኣትየን፡ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 10 ድማ ቆሲሎም ምህላዎም ጸብጻብ CNN ኣመልኪቱ።

ሰራሕተኛታት መድሕን፡ ኣብቲ ዝኸፍአ ጒድኣት ወሪድዎ ዝበልዎ ከባቢታት ተዋፊሮም ምህላዎምን ቊጽሪ ግዳያት ክውስኽ ከም ዝኽእልን እቲ ጸብጻብ ገሊጹ’ሎ። እቲ ህቦብላ ክኽሰት እንከሎ፡ ኣብ ጎልጎል ዝተረፉ ናብ ናይ ድሕነት ጀላቡ ክኣትዉ ከም እተገብረ መራኸቢ ብዙሃን ኣመሪካ ሓቢረን ኣለዋ።

ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዓማዊል ብዘይዝኾነ ምንጪ ጸዓት ተሪፎም ምህላዎም ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ እዚ ንኽዕረ ሳምንታት ክወስድ ይኽእል እዩ ክብል ኣቃሊዑ። ኣብዚ ወቕቲ፡ ኣየር ኮንዲሽን ኣመና ስለ ዝጥለባ፡ ኣብ ሉዊዝያና ዝርከብ ማዕከን ጸዓት ንምዕራይን ህይወት ነበርቲ ንምውሓስን ኣሽሓት ሰባት ተዋፊሮም ምህላዎም ተፈሊጡ’ሎ።

ቅድሚ 16 ዓመታት ካትሪና ዝተሰምየ ህቦብላ ኣብ ኒው ኣርሊንስ ከቢድ ዕንወት ኣውሪዱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com