Sunday , April 28 2024
Indian Prime Minister Novandra Modi speaks at the Climate Summit in Glasgow. (AP Photo/Alastair Grant, Pool) TH210

ህንዲ፡ ኣብ ዓመተ 2070፡ መጠን ካርቦን፡ ናብ ዜሮ ከተውርድ ቃል ትኣቱ

ህንዲ ኣብ ዓመተ 2070፡ መጠን እትፍንዎ መጠን ካርቦን ናብ ዜሮ ንምውራድ ትሰርሕ ምህላዋ ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ፡ ናሬንድራ ሞዲ፡ ኣብ ጒባኤ COP 26 ቃል ኣትዩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ዝበዝሓ ኣብዚ ጒባኤ ዝሳተፋ ዘለዋ ሃገራት፡ እዚ ዝገብራሉ ዓመት 2050፡ ምዃኑ ክገልጻ እንከለዋ ህንዲ ግን፡ 20 ዓመታት መጢጣ ኣብ ዓመተ 2070፡ ነዚ ምውጣና ኣዛራቢ ኣርእስቲ ኮይኑ’ሎ።

እዚ ይዂን እምበር፡ ሞዲ፡ መጠን ምፍናው ካርቦን ናብ ዜሮ ንምውራድ፡ መብጽዓ ዝኣተወ ቀዳማይ መራሒ ህንዲ ኮይኑ’ሎ።

ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣመሪካን ኣብ ዓመተ 2050፡ ቻይና ድማ ኣብ ዓመተ 2060፡ መጠን ምፍናው ካርቦን ናብ ዜሮ ከውርዳ ቃል ኣትየን ምህላወን ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com