Friday , May 10 2024

ህዝባዊ ምጓዓዝያ ስቶክሆልም SL ንጥፈታቱ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ከጉድል ምኻኑ ሓቢሩ።

ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ ህዝባዊ መጓዓዝያ ስቶኮልም SL ከምዘጉድል ሎሚ ሓቢሩ። እዚ ምጒዳል ካብ ሰኑይ መዓልቲ ጀሚሩ ክስራሓሉ እዩ። እዚ ማለት ኣውቶቡሳትን ባቡራት ከተማን ዘጠቃለለ ኮይኑ ድሮ ኩሉ ሰባ ምንቅስቃሳቱ ብምድራቱ ዳርጋ ብ 20 ሚእታዊት ከምዝጎድለን እዚ ሓዱሽ መደብ ዝወሓደ ናይ መዋፍሪን ኣቋራጭን ቦታ ዝህልወን ኰይኑ ካብ ዕለት 23 ንደሓር ተግባራዊ ክኸውን እዩ። እዚ ውሳነ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝሰርሑ ሰብት ብምብኳሮም ንዝፍጠር ሃጓፍ ንምምላእ ተባሂሉ ይውሰድ ምህላዉ ድማ ተመልኪቱ’ሎ። ጒዕዞ በብግዜኡ ክጐድል ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com