Sunday , April 28 2024

ህጹጽ ረድኤት ዘድልዮ ዝነበረ ሕሙም ስለ ዝተረሰዐ. . . . ሞይቱ

ሓደ ብውጸኣትን ተምላስን ዝተሰነፈ ሕሙም ብኣምቡላንስ ናብታ ኣብ ሰሜን ስቶክሆሎም እትርከብ ዳንደሪድ ሆስፒታል ምስ በጽሐ ብኣባላት ናይታ ሆስፒታል ኣብ ናይ ህጹጽ ረድኤት ክፍሊ ገዲፎሞ ምስ ከዱ፡ ድሕሪ ቁሩብ እዋን ሞይቱ ከምዝተረኽበ ተሓቢሩ።
ናይ ደም መርመራ ንምክያድ ካብቲ ሕሙም ዝተወስደ ቅምሶ፡ ዘይንቡርን ዘይተፈልጠን ውጽኢት ነይርዎ ክብል እቲ ሆስፒታል ኣብቲ ናብ ሽወደናዊ ኣሃዱ መርመራ ጥዕናን ሓለዋን (IVO) ዝጸሓፎ ጸብጻብ ገሊጹ።
ብሰንኪ ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ዘሎ ጻዕቂ ስራሕ፡ እቲ ክግበር ዝግበኦ ንቡር ዝኾነ መስርሕ ኣይተኸተልናን ክብል እቲ ሆስፒታል ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።
ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተርእዮታት ኣብ ቀጻሊ ንኸይፍጸሙ፡ ሆስፒታል ዳንደሪድ፡ ኣድላይ ዝኾኑ ስጉምታት ወሲዱ ከምዘሎን ብተወሳኺ ድማ፡ ብሰንኪ ጻዕቂ ስራሕ፡ ተወሰኽቲ ኣባላት ኣብ ዝሕተተሉ እዋናት እቲ ቅጻወትዎ ዝግበኦም ተራ ብንጹር ክሕበሩ ምዃኖም ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com