Thursday , May 9 2024

ህጻናት ንኻልኦት ቆልዑ ኣብ ጕጅለታት ይምልምሉ፣ ካብ ሓደ መዓልቲ ናብ ካልእ መዓልቲ

Credit: Adam Ihse

ህጻናት ብኻልኦት ህጻናት ኣብ ገበናዊ መርበባት ይምልመሉ ምህላዎም ተገሊጹ፡፡ እዞም ከምዚ ዝገብሩ ዘለዉ ህጻናት ኣብ ስልጣን ናይቲ መርበብ ንላኦሊ ንኽወጹ ብምባል ነዚ ይፍጽሙ ምህላዎም፡ ብብራ ዝፍለጥ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ምክልኻል ገበን ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ሓቢሩ። “እቲ ምልመላ ኣዝዩ ቅልጡፍ እዩ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ዘይመልእ እዋን፡ ናብቲ መርበብ ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ” ትብል ኣና ጆንሰን ዝተባህለት ተመራማሪት “ብራ”። ክሳብ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ከየተረፉ ብቕልጡፍ ኣካል ናይ ገበናዊ መርበብ ክኾኑ ከምዝኽእሉን፥ በዚ ድማ ሕብረተሰብ እዚ ምልመላ ዝፍጸመሉ እዋናትን ቦታታትን ኣብ ምልላይ ዝሓሸ ግንዛበ ክህልዎ ከም ዝግባእ እቲ ጸብጻብ ኣተሓሒዙ ተላብዩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com