Friday , April 26 2024
Södersjukhuset at Södermalm in Stockholm. Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

ሆስፒታላት፡ ንሕሙማት ኮቪድ-19 ዘገልግል ሓድሽ ኣሃዱ፡ ኣቚመን

ኣብ ስቶክሆልም ዝርከብ ሆስፒታል፡ ሶደርኹክሁሰት፡ ንሕሙማት ኮቪድ-19 ዘገልግል ሓድሽ ኣሃዱ ከቕዉም ምዃኑ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ሕማም ኮቪድ-19 ንቐጻሊ ምሳና ዝጸንሕ እዩ ዝመስል፡ ስለዝኾነ ድማ፡ ንሕሙማት ኮቪድ ዘገልግል ተባሂሉ ሓድሽ ኣሃዱ ከነቕውም መዲብና ኣለና ጥራይ ዘይኮነ፡ ንድሕሪ ሕጂ፡ ድሉው ዝኾነ ጨንፈር ክህልወና እዩ ክትብል፡ ከባብያዊ ኣመሓዳሪት ውሽጣዊ መድሃኒት፡ ኣነሊ ሊለግረን፡ ምስ ጋዜጣ ዳገንስ ኒሀተር ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ገሊጻ።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም፡ 98 ሕሙማት ኮቪድ-19፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይግበረሎም ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ እቶም 16 ድማ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ይግበረሎም ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ዝቕጽል እዋን፡ መጠን ብዝሒ ናይቶም ብሕማም ኮቪድ-19 ክልከፉ ዝኽእሉ ሰባት ክበዝሕ ከምዝኽእል፡ እቲ ሆስፒታል፡ ገምጋማቱ ገልጹ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com