Tuesday , April 30 2024
Credit: Christine Olsson/TT

ሊበራላውያን፡ ናብ ኔቶ ምጽንባር ንጸጥታ ሰሜናዊ ኣውሮጳ ኣይጽልዎን እዩ።

ኣብዚ ሰሙን መንግስቲ ሽወደን ናብ ኔቶ ንምጽንባር ግዜኡ ከም ዘይኣኸለ ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ እቲ ብ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ማግዳሌና ኣንደርሾን ዝተዋህበ ስነመጎት ድማ ሽወደን ናብ ኔቶ እንተተጸንቢራ ጸጥታ ሰሜናዊ ኣውሮጳ ክዝረግ እዩ ዝብል እዩ።.

እንተኾነ ግና ባይቶ ሽወደን ኣብዚ ጒዳይ ኣብ ክልተ ከም እተመቕለን ብርክት ዝበላ ሰልፊታት ናብ ወተሃደራዊ ሽርክነት ኔቶ ምጽንባር ከም ዝድግፋን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።

ሓደ ካብዚኣቶም ሊበራላዊ ሰልፊ ኮይኑ ኣፈኛ እቲ ሰልፊ ኣላን ዊድማን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ቃል “ብዘይ ውሕስነት ጸጥታ ኔቶ ከም ሃገር ንሽግራት በይንና ክንብድሆ ክንግደድ ኢና” ኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com