Friday , May 10 2024
Universitets- och högskolerådet (UHR) Foto: Henrik Montgomery / TT kod 10060

ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ሰባት: ናይ ስልጠና ኮርሳት ንምውሳድ ተመዝጊቦም

ቁጽሪ ናይቶም ክመሃሩ ዝደልዩ ሰባት: ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ይኸይድ ኣብ ዘለወሉ እዋን: እቶም ኣብ ናይ ቀውዒ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክመሃሩ ዝተመዝገቡ ሰባት: ቁጽሮም 273,011ብምብጽሑ: ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ቁጽሪ ክነጻጸር እንከሎ: ብ2% ምውሳኹ ተፈሊጡ። ዝበዝሑ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዝነብሩ ተማሃሮ ዝጽንበርዎ ዓውደ ትምህርቲ: ናይ ሕጊ ፕሮግራም ምዃኑ: ሽወደናዊ ቆንስል ላዕለዋይ ደረጃ ትምርህቲ (UHR) ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ኣብዚ ዓመት: ንኽመሃሩ ኢሎም ዝሓተቱ ሰባት: ብዝሖም 410,809 ኮይኑ፤ እተን 64% ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ተፈሊጡ ኣሎ።
ብዙሓት ክማሃሩ ዝደልዩ ሰባት: ኣብ ልዕሊ 20 ካብ 38 ዩኒቨርስታትን ኮሌጃትን: ብመንገዲ ኢንተርኔት ዘካየድዎ ዳህሳስ: ዝለዓለ ምንባሩ እቲ ቆንስል ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com