Friday , April 26 2024

ልግሲ + ህንጡይነት + ተበግሶ = ዓንዲ ብልጽግና (5)

ልግሲ

ኣብ ህይወትካ እተመዝግቦ ብልጽግና ናይ በይንኻ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ቀንዲ መሰረት ብልጽግና ውልቃዊ ጻዕሪን ክእለትን እኳ እንተኾነ እትነብረሉ ከባቢን ሕብረተሰብን እውን ኣብ ብልጽግናኻ ተራ ኽህልዎ ስለዝኽእል፣ ብልጽግናኻ ንብልጽግና ካልኦት ዝድርኽ ክኸውን ኣለዎ።

እዚ መታን ክረጋገጽ ነቲ ከም እትብልጽግ ዝገበረካ ዕጥቂ ጅሆ ከይሓዝካ ካልኦት’ውን ከም ዝጥቀምሉን ከም ዝነቕሑሉን ክትገብር ይግብኣካ። እዚ ኸኣ’ዩ ልግሲ ዝበሃል።

ልግሲ ክልተኣዊ ስለዝኾነ ነገራውን ሓሳባውን ትሕዝቶኻ ክትሓብኣሉ ዝፈተንካ ሰብ ንሱ’ውን ዝፈልጦን ዝውንኖን ክልግሰልካ ኣይክእልን። ስለዚ ለጋስ ዘይምዃን ንናይ ካልኦት ናይ ልግሲ ሸውሃት’ውን ምዕጻው ማለት እዩ።

ወዲ ሰብ ንኽነብር ጥበብ የድልዮ ክበሃል እንከሎ ንጥበብ ህይወት ካብ ነብሱ ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ካብ ናይ ካልኦት ናይ ህይወት ተመኩሮ እውን እዩ ዝመሃሮ። ሰባት ተመኩሮኦም ከካፍሉኻ እንተኾይኖም ድማ ይውሓድ ይብዛሕ ተመኩሮኻ ከተካፍሎም ኣለካ። እዚ ኸኣ’ዩ ንልግሲ ክልተኣዊ እዩ ዘብሎ።

ብልጽግና ዘየቋርጽ መስርሕ ስለዝኾነ፣ ነቲ ኣብ ሓደ ደረጃ ብልጽግና ዘብጽሓካ ተመኩሮ ከተካፍል ቅሩብ እንተዄንካ፣ ካብ ተመኩሮ ካልኦት ንእትረኽቦ ውህሉል ጥበብ መበገሲ ጌርካ’ውን ንዝያዳ ብልጽግና ክትሰርሕ የኽእለካ።

ህንጡይነት

ህንጡይነት፣ ሓታቲን ፈታሺን ኣእምሮ ከም እተማዕብል ዝገብር ደራኺ ብልጽግና እዩ። ኩሉ ግዜ ኣብ ኣእምሮኻ ‘ስለምንታይ?”፣ ‘ብኸመይ?’ ዝብሉ ሕቶታት እናልዓልካ ምስ እትመራመር ናይ ፍልጠት ሸውሃትካ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሰፍሐ ይኸይድ። ንሓድሽ ሓበሬታ ትቃላዕ። ኣተሓሳስባኻ’ውን ይሰፍሕን ይዓሙቕን።

ህንጡይነት እዩ ንወዲ ሰብ ካብ ሃዳናይ ናብ ዳህሳሲ ጠፈር ኣሰጋጊርዎ። ተፈጥሮ ንወዲ ሰብ ተኣምር ዝሰርሕ መንፈስ ህንጡይነት እንተዘይዕድሎ ነይሩ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዘመነ እምኒ ምነበርና።

ወዲ ሰብ ነቲ ተፈጥሮ ካብ እንስሳታት ፈልዩ ዝመጠዎ ትዕድልቲ ተጠቒሙ ኪኖ’ቲ ዝርእዮን ዝሰምዖን ኣርሒቑ ክጥምት ስለዝኸኣለ እነሆ ሎሚ ንዓለም ናብ ቁሸት ዝቐየሩ ምህዞታት በርኪቶም።

ሳላ ህንጡይነት፣ ናይ ወዲ ሰብ ናይ ስልጣነ ሸውሃት ደረት ስለዝተሳእኖ መዓልታዊ ንዓለምና ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ብልጽግና ዘገስግሱ ምዕባለታት ይፍጠሩ ኣለዉ። ሓይሊ ህንጡይነት እምበኣር ማዕረ ክንድ’ዚ እዩ።

ህንጡይነት ከምቲ ኣብ ምዕባለ ዓለም ዝጻወቶ ተራ ኣብ ውልቃዊ ብልጽግና’ውን ተመሳሳሊ ተራ ኣለዎ። ብዘይ ህንጡይነት ዓወት ዳርጋ ኣይርከብን ምባል ምግናን ኣይኮነን። ሓንሳብ ምስ ተዓወትካ ህንጡይነትካ ብኡ ኣቢሉ እንተጠፊኡ ድማ ነቲ ኣቐዲምካ ዝጨበጥካዮ ዓወት ክትከስሮ ተኽእሎ ኣሎ።

ስለዚ እታ ኣብ ውሽጥኻ እትነብር ናይ ህንጡይነት ፋኑስ ይትረፍ ክትጠፍእ ጭልምልም እውን ክትብል የብላን። ብኻልእ ኣዘራርባ ወትሩ ሓደስቲ ዕድላትን ተኽእሎታትን ካብ ምፍታሽ ከተዕርፍ የብልካን።  

ተበግሶ

ብመሰረቱ ዓወት ውጽኢት ውልቃዊ ተበግሶ እዩ። ብዘይ ውልቃዊ ተበግሶ ግዳማውያን ረቛሒታት ንበይኖም ዓወት ኣየምጽኡን እዮም።

ዕውታት ሰባት፣ ኣብ ሓደ ተበግሶ ንኽዕወቱ ድፍኢትን ሓገዝን ናይ ካልኦት ሰባት ዝደልዩ እኳ እንተኾኑ ብቐንዱ ግና ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ድሌትን ክእለትን ክምርኮሱ ከም ዘለዎም ኣዳዕዲዖም እዮም ዝፈልጡ። ባዕላዊ ተበግሶን ጻዕሪን ወሳኒ ምዃኑ ስለዝግንዘቡ ድማ ሓላፍነት ናይ ስጉምቲታቶም ብምውሳድ መምርሒን ምንቕቓሕን ከይተጸበዩ ናብ ስራሕ ይብገሱ። ተበግሶ ንምውሳድ ወሲኖም ዝለዓሉ ስለዝኾኑ ከኣ ኣብ ናይ ሓባር ስራሕ ከም መራሕቲ ጉጅለ ኮይኖም ንብልጽግናኦምን ብልጽግና ኣባላቶምን ይጽዕቱ።

ስለዚ ኣገዳስነት ተበግሶ ኣብ ብልጽግና ዳርጋ መሰረታዊ እዩ ክበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ ተበግሶ የለን ማለት ብልጽግና የለን ማለት ስለዝኾነ። እወ! ዕቤት ብተበግሶ እምበር ኰፍ ኢልካ ብምንብሃቕ ኣይትርከብን እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com