Friday , April 26 2024

ሎቬን፡ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝረአ ምፍልላይ፡ ብጣዕሚ ከም ዘሕዘኖ፡ ገሊጹ

ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ ብማዕከን ዜና ዳገንስ ዝተቃልሐ፡ ንጉዳይ ናይተን ኣብ መላእ ሽወደን ዝርከባ ኣገልግሎት ጥዕና ዝህባ ትካላት፡  ሽወድናዊ ዓሌት ዘለዎ ዶክተር ወይ ሓኪም ስኒ ጥራይ ንኽመርጹ ዘኽእል ዕድል፡ ንተገልገልቲ ብምፍጣረን ኣመልኪቱ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ግብረ መልሲ ከምዝሃበ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ነዚ ዜና ምስ ኣንበብኩ፡ ውሽጠይ ከም ገለ ገይሩኒ፡ ብጣዕሚ ዘፈንፍን እዩ። ኣንጻር ዓሌትነትን ዘኖፎብያን ቃልስና ከነቋርጽ ከምዘይብልና ድማ ኣዘኻኺሩኒ ክብል ምስ ኦንኾልስቪክ ኣለሃንዳ ( Örnsköldsviks Allehanda) ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።

ኣብ ኣስታት ሚእቲ ዝኾና ህዝባውያንን ናይ ውልቂ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ከምዝቐረበለንን፡ ካብዚኣተን እተን 51 ትካላት፡ ንድሌታት ተገልገልቲ ከማልኣ ክሰማምዓ እንከለዋ፡ እተን 40 ግን እዚ ጠለብ ቅቡል ከምዘይኮነ ክብላ ከምዝመለሳ፡ ዳገንስ ነሂተር፡ ገሊጹ።

ጠንቂ ናይዚ ከምዚ ዓይነት ጠለብ፡  ናይቶም ሓካይም ሕጽረት ቋንቋ ሽወደን ድዩ ተባሂሉ ምስ ተሓተቱ፡ እቶም ተገልገልቲ፡ ብዘይ ምኽንያት፡ ካብ ድሌት ዝተበገሰ ጠለብ እዩ ክብሉ ምምላሶም፡ ዳገንስ፡ ገሊጹ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com