Thursday , May 9 2024

ሓምላይ ሰልፊ ኖርወይ ዋጋ መጓዕዝያ ክጐድል ይጽውዕ።

ኣብ ኦስሎ ዝመደብሩ ሓምላይ ሰልፊ ኖርወይ፡ ዋጋ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኩባንያ ሩተር ከም ዝሓስር ብምግባር ሰብ መካይን በዚ ክጥቀሙ ከም ዝደሊ ገሊጹ።

“ ኣብቲ ምስ ቪከን እንገብሮ ዘሎና ልዝብ ፓኬጅ 3 ኦስሎ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ቀዳምነትና ንዋጋ ወከፍ ቲኬት ብ 20% ከም ዝጐድል ምግባር እዩ” ክትብል ኣብ ጉዳይ ኣከባቢን መጓዓዝያን ኣማኻሪት ምምሕዳር ከተማ ሲሪን ስታቭ (MDG) ን ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢራ።

ኣብ ምውዳእ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሩተር ን ዋጋ ቲኬት መጓዓዝያ ሓደ ዞባ ካብ 1 ክሮና ኖርወይ ናብ 39 ክውስኽ ተራእይ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ 7 ዓመታት ዋጋ መጓዓዝያ ብ 9 ክሮና ኖርዌይ ጥራይ እዩ ወሲኹ ጸኒሑ–ብመሰረት እታ ጋዜጣ።

ስታቭ ሕስር ዝበለ ዋጋ ቲኬት ክግበር ናይ ስድራኣቤታዊ ምጉዳል ድማ ኣብዚ ልዝብ ፓኬጅ 3 እቱው ክኸውን ድሌት ከም ዘለዋ እያ ትገልጽ። ዋጋ ቲኬት ናብ 31  ንምጒዳል ጥራይ ዓመታዊ ናይ 246 ሚልዮን ክሮና ወጻኢ ክሓትት ምዃኑ ሩተር ገሊጹ’ሎ። እዚ ንስድራቤታዊ ምጒዳል ዋጋ ዘጠቓልል እንተኾይኑ እቲ ወጻኢ ናብ 300 ሚልዮን ክብ ክብል እዩ።

ኣብ መወዳእታ ሲሪን “ ከምዚ ምግባር ናብ ኣየር ዝፍኖ በካሊ ጋዝን ዘየድሊ ትራፊክን ኣብ ምጒዳልን ክሕግዝ እዩ” ኢላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com