Friday , April 26 2024
Kenya's elephant population is on the rise, a new animal population is showing.(AP Photo/Karel Prinsloo)

ሓራምዝ ኬንያ፡ ብደረጃ ውልቂ ተፈቒዶም

ኬንያ፡ ኣብታ ሃገር ብስፍሓቱ ዝለዓለ እተባህለሉ ምቚጻር ኲሎም እንስሳ ዘገዳም ተሳልጥ ኣላ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ብመሰረት ውጽኢት እዚ ቆጸራ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ደረጃ ምጽናት ከም ዝበጽሑ ተመዝጊሞ ዝነበሩ ኣራዊት ቊጽሮም ሰሲኑ ከም እተረኽበ ተገሊጹ። ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ኬንያ፡ 36,280 ሓራምዝ ብውልቂ ከም እተፈቕዱን እዚ ድማ ምስቲ ኣብ 2014 ዝነበረ ኣሃዝ እንክነጻጸር እምከሎ ብ 12% ወሰኽ ከም ዘርኣየ ተገሊጹ።

ብኻልእ መዳይ፡ ዘይሕጋዊ ሃድን ነክዩ ምህላዉ ዘመልክት እዩ ክብል እቲ ጸብጻብ ቆጸራ ኣመልኪቱ። “ኣብ ምጽናት ዝርከቡ እንስሳ ዘገዳም ዝካየድ ሃድን፡ ብኸቢድ ክቕጻዕ ዝድንግግ ሕጊ ፍረ ምሃቡ ዘርኢ እዩ” ይብል እቲ ግዜያዊ ጸብጻብ።

ብተመሳሳሊ ቊጽሪ ኣናብስ፥ ዜብራ፥ ዓጋዜናት ሂሮላን ዘራፍን ሰሲኑ ምህላዉ ተገሊጹ። ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ሓደጋ ምጽናት ዝርከብ ሌስ ዝተባህሉ ዓሌት ሓርሽ፡ 897 ከምዝበጽሐ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ እቶም 842 ጻዕዳ ሓርሽ እዮም።

ቦንጎንን ሳቤርን ዝተባህላ ዓሌት ዓጋዜን፡ ቊጽረን ኣመና ዝተሃስየ ብምዃኑ፡ ፍሉይ ጠመተ ከም ዘድልየን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ። እዘን ዓሌታት ቊጽረን ካብ 100 ኣይሓልፍን እዩ ክብል እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com