Monday , April 29 2024

ሓቀኛ ሓጺር ዛንታ፣ ሰብ ስኢነ ካልኣይን መወዳእታን ክፋል

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም
“ትምህርቲ ድኣ ይጽላእ ድዩ?”
“ሓደ ብሂል’ኳ ኣሎ፣ ‘ኣደ ኸላ ቐላል’ያ፣ ምስ ሓለፈት ግና ሓልዮታ ይርድኣካ’ ዝብል ብሂል፣ እዚ ኣበሃህላ ናብ ትምህርቲ’ሞ ንቐይሮ እቲ ዕድል ኣብ ኢደይ ከሎ ኣቕሊለ ርእየዮ፣ ኣብ ሕጂ ኮይነ ክርእዮ ከለኹ ግና፣ ወዲ ሰብ ኣብ ዓለም ብዘይ ትምህርቲ ከም ዘይከብር ተረዲኡኒ፣ ሕጂ እንዶ እነኹልካ ፊደላት እንግሊዝ ከማን ምቑጻሮም ስኢነ፣ ኣብ ሕጂ ኮይነ ብጣዕሳ’የ ዝሕመስ…” ጣዕሳኣ ኣብ ገጻ ከንብቦ ኣይተጸገምኩን።
“ሕራይ ቐጽሊ?” ቐስ ብቐስ ኣንፈቱ ዝቕይር ዝነበረ ጉዕዙኣ መዛዘሚኡ ክሰምዕ ብሃኩ።
“ኣብ’ታ ቤት ቁርሲ ከም ኣሳሳይት ስራሕ ካብ ዝጅምር ስዓት ኣትሒዘ ምስ ብርክት ዝበሉ ሰባት ክላለን ብዙሕ ክፈልጥን ክኣልኩ፣ በዚ ምኽንያት ድማ ኣማራጽታት ኣብ ምርካብን ነገራት ኣብ ምትንታንን ቐስ ብቐስ ክሕይል ጀመርኩ፣ ሓደ ካብ’ቲ ከም መኽሰብ ዝተምሃርክዎ ድማ ትሕትና’ዩ፣ ኣብ’ቲ ዝሰርሓሉ ትካል ትሕትና ሓዊስካ ንዓማዊል እንተድኣ ተቀቢልካዮም፣ እትረኽቦ ሞቕሽሽ ልዕሊ ደሞዝካ’ዩ፣ ቀልጢፈ ዝፈለጥክዋ ሽጣራ ድማ ንሳ’ያ፣ በዛ ሜላ ገይረ ድማ ልዕሊ ዓቐን’የ ከሲበ፣ ንዓይ ኮይነ ድማ ንኣደይ ወላዲተይ ክሕግዝ ጀሚረ፣ ግና ኣብ ኩሉ ምንቕስቓስ ናይ ስራሕ ለማጽን ቅኑዑን መንገዲ ኣይከደልካን’ዩ፣ ንቕንዕናይ ዝፈታተን ገለ ገለ ትዕዝብትታት ከጋጥሙኒ ጀሚሮም…”
“ከመይ ዕንቕፋት ድኣ ኮይኑ?” ነቲ ናይ ስራሕ መንፈሳ ዝርብሽ ዝተኸሰተ ጸገም ንምፍላጥ ህውኽ ኢለ
ተወከስክዋ።
“ኣለካ ምሽ፣ ሓንቲ ጓል ሄዋን እናጎበዘት ክትከይድ ከላ ግድን’ዩ ነብሳ እናልዓለት ክትከይድ፣ ኣነ ድማ ነብሰይ እናልዓልኩ ክኸይድ ምስ ጀመርኩ፣ ብርክት ዝበሉ ደቒ ተባዕትዮ ንፍቕሪ ክሓቱኒ ጀሚሮም፣ ኣነ ግና ኣደይ ኣብ ምሕጋዝን፣ ነብሰይ ኣብ ምምዕባልን ስለ ዝነበርኩ፣ ንኹሉ ጸማም እዝኒ እናሃብኩ ምስ ድኽነት’የ ዝጉዓዝ ነይረ፣ ኣብ ስራሕ ዓለም ብዘይ ገለ ጸገም ክሳብ ጓል ዕስራን ኣርባዕተን ዓመት ተጋዒዘ፣ ኣብ መወዳእታ ግና ከም ኩሉ ሰብ ኣነ’ውን ኣብ ፍቕሪ ወዲቐ…” ምስ ዕላላ ዓቲቡ ዝጸንሐ ገጻ ፈቲሓ፣ ሃሳስ ፍሽኽታ መጠወትለይ።
“ካብ’ቲ ዘይንቕነቕ ዕላማኺ ዘውጻኪ ድኣ ከመይ ዓይነት ሰብ ድዩ ገጢሙኪ?” ኣነ’ውን ሓውሲ ዋዛ ገይረ ተወከድክዋ።
“እቲ ወዲ ባዕሉ’ዩ ኣብ መንገዲ ተላልዩኒ፣ ድሕሪ ሌላ ድማ ቴለፎን ተለዋዊጥና ብተደጋጋሚ ክንራኸብ ጀሚርና፣ህዱኡን ለባምን ሰብ ኮይኑ’ዩ ቐሪቡኒ፣ ከም ሰብ’ውን ዝጽላእ ኣይኮነን፣ ናቱ ቤት መግቢ ዝውንን ብምኻኑ፣ ምስኡ ክሰርሕ ብተደጋጋሚ ክሓተኒ ምስ ጀመረ፣ መወዳእታ ኣብ ሓሳቡ ተሰማሚዐ፣ ነቲ ዝማዕበልኩሉ ስራሕ ገዲፈ ምስኡ ስራሕ ጀሚረ።” ነዊሕ ኣስተንፊሳ ንሓጺር ዕረፍቲ ስቕ በለት፣ ኣነ ብወገነይ ነዛ ዕድል ተጠቒመ ሕቶ ወርወርኩላ።
“እሞ ምስኡ ስራሕ ምስ ጀመርኪ ርክብኩም ከመይ ደልደለ?”
“ዝያዳ እምበር ረጊዱ፣ ተፋቲና ድሕሪ ነዊሕ ናይ ፍቕሪ ጉዕዞ ድማ ክብረይ ንዕኡ ኣረኪበዮ፣ እዚ ቅድሚ መርዓ ዝገበርክዎ ነውሪ ግና፣ ኣብ ዳሕራይ ንዓይ’ዩ ሃስዩኒ፣ ወዲ ድልየቱ ምስ ረኸበ ገጽ ክኸልኣኒ ጀሚሩ…”
“ንቑም ነገር ዘይኮነን ዝደልየኪ ነይሩ?” ተገላባጢ ዘረብኣ ክርድኣኒ ኣይክኣለን።
“ኣይትኣምነንን ትኸውን፣ ነቲ ወዲ ኣብ ምጽንዑ’የ ኣነ ደኺመ እምበር፣ ንሱስ ብባህሪኡ መናው’ዩ፣ ካብቲ ናብቲ’ዩ ዝናጠር፣ ንዓይ ድማ በቲ ተጋላባጦ ባህርያቱ ግዳይ ገይሩኒ፣ ኣብ መወዳእታ ምርድዳእ ስኢና፣ ካብ ንሰርሖ ንቛየቖ በዚሑ፣ በዚ ምኽንያት ድማ ካብ ስራሕ ሰጊጉኒ…”

“ናበይ ድኣ ኣበልኪ?”
“ኣብ ሓደ ቤት መስተ ስራሕ ጀሚረ፣ እዚ ስራሕ መጀመርታ’ኳ ጸሊአዮ እንተነበርኩ፣ ምስ ግዜ ግና ተለማሚደዮ፣ ኣብ’ዚ ስራሕ ክብርኻ ከም ነብስኻ’ዩ፣ ባዕልኻ ነብስኻ ተኽብራ፣ ባዕልኻ ድማ ተሕስራ፣ ኣነ ድማ ንነብሰይ ባዕለይ ኣሕሲረያ…”
“ከመይ ማለትኪ’ዩ?” ንነብሳ ምዝላፋ ክውሓጠለይ ኣይክኣለን።
“ከመይ ዝብል ለባም… ኣብ’ቲ ስራሕ ምስ ዝጸንሓትኒ ጓል ሌላ ይምስርተልካ፣ ሌላና ምስ ግዜ ዓሚቑ ምስ ተቓራረብና፣ ከምዚ እንተገይርኪ ክሓልፈልኪ’ዩ፣ ከምዚ ሽጣራ ተጠቐሚ ወዘተ እናበለት ሕማቕ’ያ ምሂራትኒ፣ ኣነ ድማ ብሓጺር ኣገባብ ዝህብተም መሲሉኒ ሃነፍነፍ ኢለ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ሰብ ዘይረኾ ረኺበ….” ሃንደበት
ዝደረቐ ንብዓት ጸረር ኣበለት።
“ሰብ ዘይረኽቦ ጸገም ድኣ…” ምግራመይ ብግልጺ ሓበክዋ።
“እወ!” ብስምዒት መለሰትለይ። “እዛ ጓል ጎራሕ’ያ፣ ቐስ ብቐስ ናብ ስራሕ ኣመንዝራነት ከም ዝኣቱ ገይራትኒ፣ እሞ ምስ ደቒ ዓደይ ከይከውን’ከ? ኣብቲ ገዛ ምስ ዝመጹ ዝነበሩ ኣጋይሽ ሱዳናውያን’ያ ኣላልያትኒ፣ ካብዚኦም ብዙሕ መኽሰብ ክትረኽቢ ኢኺ ኢላ ምስ ጠበሰትኒ ኣነ ድማ ጥዑም ጥዑም ጢዑምኒ፣ ግና ጥዑም ኣይረኸብኩን…” ብብኽያት ተነኽነኸት፣ በሪሁ ዝነበረ ገጻ ጸልሚቱ ኣአሸኾቶ። ዝሑል ኣዘራርብኣ መንፈሱ ቀይሩ ናብ ርቡሽ መንፈስ ተቀየረ።
“ክገርመካ ምስ ደቒ ዓድና ዘይረ ኣይፈልጥን፣ ነተን ቁራቦ ገንዘብ ክረክብ ምስ ሱዳናውያን’የ ድዘውር ነይረ፣ ዓስቢ ሓጥያተይ ድማ፣ ካብ መን ዘይፍለጥ ጥንሲ ሒዘ…” ንብዓታ ምቁጽጻር ስኣነት፣ ኣነ ድማ ከዝሕላ ተጋደልኩ።
“ጥንቓቐ ኣይነበረክን ድዩ?” ድሕሪ ምትህድድአይ ሓተትክዋ።
“ኣብ ዝርጋን እንተኣቲኻ ኩሉ’ዩ ፋሕ ዝብለካ፣ መስተ ብብዝሒ ክሰቲ ጀሚረ ብምንባረይ፣ ሃንደበት’ዩ ኮይንኒ፣ ኣደይ ስራሕ ኣላ ትብል ኣነ ድማ ኣብኡ ዘይፍለጥ ውላድ ሒዘላ መጼ፣ ሕርር ኩምትር’ያ ኢላ፣ ናይ ነገር ወላዲት ኮይንዋ ሕምስ ኢላ፣ ክገርመካ ወደይ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ፣ ኣቦ የብሉ፣ ሰብ የብሉ… እንድዒ ወደይይይይ …ይይ..ይይ” ልክዕ ከም ሕጻን ኣልቐሰት።
“ሰብ ስኢነ፣ ኣቦ ወድኺ’የ ዝብል፣ ሰልኪ ሕምቐተይን ሓጥያተይን ነብሰይ በዲለ፣ ውላደይ በዲለ ኣደይ በዲለ….” ንኽትዛረብ ምኽኣል ስኣነት።
“ምስ ክልተ ሰለስተ ይኸይድ ብምንባረይ፣ ንሶም’ውን ዝርከቡ ብዘይ ምኻኖም ሰብ ዘይብለይ ተሪፈ፣ ላዕሊ ላዕሊ ክጥምት ነታ ንእሽተይ ስኢነያ፣ ሩፍታይ ስኢነ ሩፉታ ውላደይ ድማ ዘልኣለም ከም ዘይቐስን ገይረዮ፣ በቓ ካባይ ኩሉን ይምሃራ፣ እዚ’ዩ ሕማቕ ታሪኸይ፣ ሕጂ እናሰራሕኩ ወደይ የዕቢ ኣለኹ፣ ግና ሰብ ስኢኑ፣ መጻኢኡ ድማ…” ብብኽያት ተነኽኒኻ ምቕጻል ዝኣነት፣ ኣነ ድማ ልዕሊ’ዚ ክትቕጽል ከም ዘይትኽእል ገሚተ ናብ ምእባዳ ኣተኹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com