Monday , April 29 2024

ሓቐኛ ዛንታ:ዕድል ድዩ?

ሳልሳይ ክፋል
ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

“ገለ ዝቐርበን ዝነበርኩ መሓዙት፡ ዓርኪ ወይ ኣፍቃሪ ክሕዛ ከለዋ፡ ንዓይ ከም ዘይምልከተኒ እናወሰድኩዎ’የ ዝጓዓዝ ነይረ። ኣብ ጠባይ ይኹን ኣብ ትምህርተይ ኣበሳ ከይተረኽበኒ’የ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ዛዚመ። ኣብ መበል ዒስራ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ሳዋ ዝወረድኩ። ኣብ’ዚ ዓመት ሓደ ኣብ ገዛና ተሪፉ ዝነበረ ሓወይ፡ ኣሰር እቲ ዓቢ ሓወይ ብምስዓብ ናብ ወጻኢ ሃገር ከይዱ። ገዛና ድማ ሓንቲ ንዓይ ሒዛ ተረፈት። ኣቦይ ኣብ ልዕለይ ዓቢ ራኢ ገይሩ። ካብ ደቀይ ሓንቲ ብትምህርቲ እትዕወቲ ንስኺ ኢኺ እናበለ ተስፋኡ ናባይ ኣውዲቑዎ። ኣነ’ውን ኣይሓመቕኩን 3.4 ብምምጻእ ናብ ኮለጅ ማይ ነፍሒ ኣትየ።”

“ንፍዕቲ ኢኺ’ሞ!”
“እንታይ’ሞ! እዚ ኩሉ ጻዕሪ ባዕለይ ኣፍሪሰዮ፡” ደጊማ ናብ ዝንታ ኣተወት። ሰብ መንፍዓቱን ጻዕሩን ክሳብ መወዳእታ እንተዘይዓቂቡዎ ከንቱ’ዩ። ጌጋይ ድማ ካብ’ዚ እዋን’ዩ ዝጅምር። እታ መራር መዓልቲ ክዝክራ ከለኹ ነብሰይ’ዩ ግንብንብ ዝብለኒ። ናተይ’ኳ…” ተበሪሁዋ ከተዕልለኒ ከም ዘይጸንሐት ገጻ ኣሲራ ኣዕለበጠት።
“ሰላም ጽቡቕ ምሽ ከተዕልልኒ ጸኒሕኪ?”
“ነታ ተካል መዓልቲ እንድየ ዘኪረ፡ ከመይ መስለካ ካብ’ታ ኮለጅ ማይነፍሒ ዝኣተኹላ እዋን ጀሚረ፡ ማንታ ዕማም እናዓመምኩ’የ ህይወተይ ዝመርሕ ነይረ። በቲ ጉዳይ ትምህርተይ የሰላስል፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ ስድራይ ይሕግዝ።” ንዓይ ዘጋጠመንስ ፍሉይ እዩ—። ዋላ ከተዕልለሉ ከቡድ እዩ።
“ኣብ ትርፊ ግዜኺ ትሰርሒ ማለት ድዩ?” ንዕላላ ኣንጠልጢለ፡ መብርሂ ደለኹ።
“ኖው! ስድራይ ናይ መነባብሮ ጸገም የብሎምን። እንተኾነ ግና ኣብ ስራሕ ገዛ ማራ’የ ዝሕግዞም፡” ዓይኒ ዓይነይ ጠመተትኒ።
“በሊ ቀጽሊ?” ፎኺሱዋ ተዕልለኒ ብምንባራ፡ ግዜ ከይሃብኩ ክትቅጽለለይ ተሃወኽኩ።
“ኣብ ኮለጅ ማይ ነፍሒ እንከለኹ’የ፡ ምስ’ዚ ሕጂ ክምርዓወኒ ዝሓስብ ዘሎ ሕጹየይ ተላልየ። እቲ ወቕቲ ብልክዕ’ኳ ዝዝክሮ እንተዘይኮንኩ፡ ሌላና ግና ቐስ ብቐስ’ዩ ነይሩ። ማለተይ ሃንደራእ ኢለ ኣይኣተኹዎን።”
“ከመይ ማለት’ዩ ሃንደራእ ኢለ ኣይኣተኹዎን?”
“ዳዊት’ዩ ሽሙ፡ ኣዘራርባኡ ትሑት፡ ዲሲፕሊን ዘለዎ’ዩ ዝመሰል። መልክዑ ድማ ማራ’ዩ ደስ ዝብለካ። ስርሑ ሸቃጣይ ኮይኑ፡ ደሓን ዝኾነ ቑጠባዊ እቶት’ዩ ዘለዎ። ኣብ ልበይ ቦታ ክሕዝ ድማ ግዜ ኣይወሰደን። ፍቕርና ቐስ ብቐስ ዝጀመረ’ኳ እንተኾነ፡ ከም ሮማዲ ኣብ ልቢ ክልቴና ከስፋሕፍሕ ግዜ ኣይወሰደን።” ንዘሕለፈቶ እዋን ግዲ ዘኪራ፡ ሃሳስ ፍሽኽታ ኣሰንያ፡ ኣቓልቦኣ ናባይ ገበረት።
“ትምህርትን ፍቕርን’ሞ ከመይ ኣሳኒኽዮም?” ኣትያቶ ካብ ዝነበረት ሓጎስ ዝዓሰሎ ዝኽሪ ክመልሳ ፈትንኩ።
‘ከም’ቲ ዝበልኩኻ፡ ስድራይ ማራ’የ ዘኽብር፡ ኣቦይ ድማ ኣብ ትምህርቲ ክዕወት ተስፋኡ ኣባይ ጥራይ’ዩ ኣውዲቑዎ። በዚ ምኽንያት ከይኮነ ኣይተርፍን፡ ትምህረተይ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናነፋዕኩ ክኸይድ እንከለኹ፡ ፍቕሪ ዳዊት ድማ ክደግሰኒ ይዝከረኒ። ዳዊት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናለገበኒ ክኸይድ ከሎ፡ ዝያዳ እናፈተኹዎ መጻእኩ።” ፍቕሪ ፈለማ ግዲ ተዘኪሩዋ፡ ገጻ ብሓጎስ ክኹላዕ ተዓዘብክዎ።

“ፍቕሪ ብምልምማድ ዝዕንብብ ህያብ ፈጣሪ’ዩ። ስለምንታይ ደኣ እናኣፍቀርክዮ ክትፍለይዮ ትሓስቢ ኣለኺ?” ደጊመ ናብ’ታ ዘይተመለሰትለይ ኣዋጣሪት ሕቶ ተመለስኩ።
“አ!” ስንብድ ኢላ ጠመተትኒ፡ ተኾሊዑ ዝነበረ ገጻ ድማ ሃንደበት ክእሹኽ ረኣኹዎ።
“እንታይ ደኣ ሰንቢድኪ?”
“ናይ’ዛ ክብትና ዝሓስብ ዘለኹ መርዓ ክዝክር ከለኹ፡ ማራ’የ ዝጭነቕ….”
“ንምንታይ’ሞ ትጭነቒ? ደቂ ሰባት ብሽግር ተኸቢብና ከም ንፍጠር መጠን፡ ጸገማት ከጋጥመና ንቡር’ዩ። ሓቀይ እንድየ?” ኣቓልቦኣ ንምስሓብ ሕቶ ሓቲተ መልሲ ተጸበኹ።
“ንሱ ደኣ ሓቅኻ!`እንተኾነ ግና ዝሓለፍኩዎ ኣብ መንጐ እናዘከርኩ እንድየ። ናይ ትምህርቲ ጉዳይ ክነግረካ ኣይክእልን’የ፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናነፋዕኩ’የ ዝኸይድ ነይረ። ፍቕሪ ዳዊት ኣብ ጉዕዞ ትምህርተይ ኣትዩ ከየሰናኽለኒ፡ እንታይ ገይረ መስለካ?” እቲ መልሲ ካባይ ከም ትጽበዮ ዓይኒ ዓይነይ ጠመተትኒ።
“ሕራይ!” ርእሰይ ብምንቅስቓስ ናይ ቀጽሊ ምልክት ገበርኩላ።
“ፍቕሪ ዳዊት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናደገሰኒ ምስ ከደ፡ ንቑም ነገር ዝደልየኒ እንተኾይኑ ምስ ስድራይ ክላለ ክደፋፍኦ ጀመርኩ። ዳዊት እዚ ሓሳብ ምስ ኣካፈልኩዎ ኣብ’ቲ ፈለማ ዕጥይጥይ ክብል’ዩ ጀሚሩ።”
“እንታይ ረኺቡዎ ጓለይ?” ዘረብኣ ኮለፍኩዎ።
“ኣነ’ውን ድሒረ ከም ዝተረዳእኩዎ፡ ከም’ዚ ሓፋር ዓይነት’ዩ። ቚሩብ በጥረምረም ናይ ምባል ባህሪ ኣለዎ።”
“ምስ ስድራኺ እንተዘይተላልዩ ደኣ ከመይ ኢሉ ንመጻኢ ምሳኺ ክጓዓዝ?” ካብ ዕላላ ተበጊሰ፡ ንዳዊት ብዓይኒ ጥርጠራ ጠመትኩዎ።
“ከምኡ ኣይኮነን፡ ማራ’ዩ ዝፈትወኒ። ሕፍረት’ዩ ግና ዝኸውን። ኣብ መወዳእታ ግና፡ ንሓሳበይ ክሰግሮ ስለዘይክኣለ ተቐቢሉኒ። ኣታ ወዲ! ግዲ ፍቕሪ ንፈለማ ግዜ የስተማቕሮ ነይረ፡ ከመይ ባህታ ፈጢሩለይ ክነግረካ እጽገም’የ። ማራ’ዩ ደስ ዝብለካ። እዋእ…”
“ከመይ’ሞ ቀጸልኩም?”
“ምስ ምሉእ ስድራይ ምስ ተላለየ ኣዝዩ’ዩ ዘኽብረኒ ነይሩ። ከም’ዛ ብኬሪ ከይሰበሮ’ዩ ዝፈርሓኒ ነይሩ። ማራ’የ ሓንቂቐ። ከም’ቲ ዓንተቦይ ዝበልኩኻ ደገ ወጺኻ ሻሂ ምስታይ ዳርጋ ኣይፈልጥን’የ ነይረ። ዳዊት ግና ዓለመይ ኣብ ኢደይ ከም ዝጭብጣ’ዩ ገይሩኒ። ናይ ዘልኣለመይ ምዃኑ ምሒሉለይ። ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘይኮነ፡ ኣብ ልቢ። ኣብ ዓለም ብዘይክኡ ወዲ ዘሎ ኮይኑ ኣይስምዓንን። ንሱ’ዩ ሓደ ሰበይ፡ ንሱ ኩሉ። ሓንቲ ትገርመኒ ነገር ግና፡ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ እንድዒ እምበር፡ ኣነስ ሓንሳብ ምስ ኣመክንዎ፡ ልበይ ከፊተ’የ ሂበዮ። መቐረት ፍቕሪ ድማ ሕርሕራይ ገይረ ኣስተማቒረዮ።”
“ትምህርትኺ’ኸ?” ትምህረተይ ምባል ረሲዓ፡ ፍቕሪ ጥራይ ምባላ፡ ከዘኻኽራ ደለኹ።
“ትምህርተይ’ሞ ከም ርዱእ ውሰዶ፡ ማራ’የ ሓያል ነይረ። ጽቡቕ ነጥቢ እናኣምጻእኩ’የ ዝቕጽል ነይረ። ጎኒ ጎኑ ድማ ፍቕሪ ምስ ዳዊት ይቋደስ፡ ኣብ ከምዚ እዋን ከለና ኢና ምስ ዳዊት ስጋዊ ርክብ ንጅምረልካ። እታ ሓንሳብን ንሓዋሩ ዘይትምለስን ክብረ ንጽህናይ ኣረኪበዮ…”
“ቅድሚ መርዓ ግና ኣይተሃወኽክን?”
“እንታይ ጸገም ረኺበ መስለካ፡ ንሱ ንመርዖ ይብለኒ፡ ኣነ ድማ ሓንሳብ ትምህርተይ ክውድእ እብሎ። ወዲ ክሳብ መርዓ ነዊሑና እናበለ ዝርብሸኒ ዝነበረ፡ እምነት ስለ ዘሕደርኩ ፈጺምናዮ። ሓንቲ ግና ክነግረካ ጥንሲ ከየጋጥም ማራ’የ ዝጥንቀቕ ነይረ።”
“ሕማም’ውን ኣሎ ብዓቢኡ!” ወሰኽኩላ።
“ኣብ’ዚኣ እውን ተጠንቂቐ’የ፡ ማለተይ ፈለማ ርክብ ክንገብር ከለና፡ ንመርመር ኢለዮ፡ ተመርሚርና ኢና። በዚ ምኽንያት ስክፍታ ዝብሃል ኣይነበረንን።” ብርእሰ-ተኣማንነት ገለጸትለይ።

“ቀጺልኩም ደሞ!”
“ምቕጻል ጥራይ! ደሰ ዝብለካ ፍቕሪ ምበር። ኣብ ምዉቕ ፍቕሪ ከለና፡ ትምህርቲ ኣብ ምዝዛመይ ክቃረብ ከለኹ፡ ዳዊት ሓደ ሓሳብ የምጽእ። ክሳብ ትምህርትኺ ትውድኢ ዘይንሕጸ ይብለኒ፡ ብሓጎስ’የ ተቐቢለዮ። እንተኾነ….”ደጊማ ብዝንታ ተዋሕጠት። ሓድሽ ነገር ከተምጽእ ከም ዝደለየት’ውን በርሃለይ።

“ደቂ ተባዕትዮ ከም’ቲ ልብና ከፊትና እንህበኩም ኣይኮንኩምን፡ በንጻሩ ኢኹም። ልቢ ኣብ ፍቕሪ ናይ ዝወደቐት ጓል ሄዋን መዝሚዝኩም ንዓለማ ብድራማ ኢኹም ትኸዱዋ። ዳዊት ድማ ኣብ ፍቕሪ ኣውዲቑ፡ ኩሉ’ቲ ብዛዕባይ ክፈልጦ ዝግብኦ ፈሊጡ’ዩ፡ ማለተይ ጉዳይ ስድራና፡ መነባብሮና፡ ህሉፍ ህይወትና፡ ብሓፈሻ ኩሉ ምስጢራተይን ናይ ስድራይን ይፈልጥ’ዩ። ኣነ ኸኣ ኣሚነዮ ብዝበለኒ ጥራይ’የ ዝጓዓዝ ነይረ። እዚ ድማ ዕሽነተይ’ዩ….ንሕጸ እናተዳለና ከለና፡ ስድራይ ስድርኡን ኣብ ንራኸበሉ ዝነበርና እዋን ሓደ ተዓቢጡ ዝነበረ ጉድ ዳዊት ይወጽእ።”
“እንታይ ድዩ ተረኺቡ?” ክፈልጥ ህውኽ ኢለ ሓተትኩ።
“እንታይ ከ ዘይርከብ? ምስ ሓብቱ ክዳን ክዕቀን ምስ ከድኩ’ዩ ጉዱ ዝተኸሽሐ።”
“እንታይ ኣበር’ዩ ተረኺቡዎ?” ህንጡይነተይ ካብ ኣተሓታትታይ ይፍለጥ ነበረ።
“ከም’ቲ ዝበልኩኻ’ዩ። ምስ ዳዊት ንሕጸ ምስ ተቛጸርና፡ ክዳን ክንዕቀን ምስ ሓፍቱ እናኸድና ከለና ኢና ጉድ ዳዊት ዝኽሻሕ ዘሎ፡” ነዊሕ ኣስተንፊሳ ዝን በለት። “ሓፍቱ ሃንደበት ብገርሃ’ያ ነጊራትኒ። ድቦላ’ዩ ነይሩ፡ ዳዊት በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን ምዃኑ ሃንደበት ኣርዲኣትኒ።”
“እንታይ ደኣ በልኪ?” ዝፈጥረላ ስንባደ ካብ ኣጠማምታኣ ክርዳኣ ግዜ ኣይወሰደለይን። ካልእ ጸገም ኣብ ርእሲ’ውን ተደረበ፡ ሓደ ካልእ ዓቢ ጸገም ድማ ደበኽ በለ።

ይቕጽል.—


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com