Friday , April 26 2024
Foto: TT

ሓኒፍ ባሊ –ሽወደን ስደተኛታት ክትቅበል የብላን።

ስቶክሆልም: ኣባል ዓቃባዊ ባይቶ ሓኒፍ ባሊ ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ሽወደን ስደተኛታት ክትቅበል የብላን ኢሉ’ሎ። ኣብዚ ግዜዚ ሽወደን ስደተኛታት ክትቅበል የብላን። ድሮ ብዙሓት ብምቕባልና ከቢድ ናይ ኣባይቲን ተነጽሎን ጸገም ኣሎና ይብል።

ኣብቲ ቃለመጠይቕ ባሊ ንሓዋሩ ኣባል ባይቶ ምዃን ክገድፎ ከም ዝኽእል ኣንፊቱ’ሎ። ባሊ ወዲ ሰለስተ ዓመት እናሃለወ እዩ ኣብ 1990 ብዘይ ወለዱ ከም ስደተኛ ናብ ሽወደን ኣትዩ። ኣብታ ” ሚን ሳኒንግ” እትብል መደብ ፈነዋኡ ባሊ ብቖልዓኡ ካብ መዕበይቲ ወለዲ ናብ ማእከላት መዕበይቲ ቆልዑን ኮተቴን ኮለል ከም ዝበለ ገሊጹ ኔሩ እዩ።

ብዛዕባ ምቕባል ስደተኛታት ምስተሓተ ኸኣ ደጊም እቲ ኮታ ባዶ ክኽውን ኣለዎ ኢሉ’ሎ። ድሮ ብዙሓት ብምቕባልና ከቢድ ናይ ኣባይቲን ተነጽሎን ጸገም ኣሎና ኸኣ ይብል። ብመሰረት ባሊ ክሳብ ሽግራት ተነጽሎ ሽወደን ዝፍታሕ ክሳብ 15 ዓመት ውን እንተዝኾነ ክንጽበ ይግባኣና ኢሉ’ሎ።

ዋላ’ኳ ባሊ ሽግር ዝበዝሖ መዕበያ እንተሕለፈ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ፖለቲካ ክሳተፍ ከም ዝጀመረን ኣብ 23 ዕድሚኡ ወኪል ኣባል ባይቶ ዓቃባዊ ሰልፊ ኮይኑ ከም እተመርጸን ይፍለጥ። ንሱ በቲ ብትዊተር ዝዝርግሖ ርእይቶታት ከም ኣዝዩ ንጡፍ ፖለቲከኛ ህቡብነት ከጥሪ ከም ዝጀመረ፥ እዝዩ ኣዛራቢ ከም ዝኾነን ይንገረሉ። ሕጂ ኣብተን ሳልሰይቲን ናይ መወዳእታን መንግስታት ኣባል ባይቶ ኮይኑ የገልግል ኣሎ። ፖለቲካ ኣገዳሲ ንጥፈት እዩ ኢለ’የ ዝኣምን። እንተኾነ ግና ኣብ ህይወት ካልእ ዝያዳ ዘሐጉስ ስራሕ እናሃለወ ትም ኢለ መንበር ከማሙቐ ኣይደሊን እየ ይብል። ኣባልነት ባይቶ ክትገድፎ ሓሳብ ኣሎካ ድዩ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ መንገዲ ተረኺበ ክገድፎ እየ ይብል። ገለ ሰባት ናይ ኤምባሲታት ሃገርና ፖሊሲ ኢኻ ትኽተል ምስ በልዎ “መንክ ከምኡ ዘይገብር ” ኢሉ መሊሱ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com