Friday , April 26 2024
Police were deployed following a planned demonstration in Moscow in the summer of 2019. According to OVD-Info, around 50 people were arrested even before the protests had begun. (AP Photo/Alexander Zemlianichenko)

ሓንቲ ሩስያዊት ኮሚተ ሽልማት ሰብኣዊ መሰላት ትወስድ

ጒጅለ ተዓዛቢ OVD-Info ንስርሒትት ፖሊስ ሩስያ ንዓሰርተ ዓመታት ክከታተል ጸኒሑ’ሎ። በዚ ድማ እታ ጒጅለ ናይዚ ዓመት ፍሉይ ሽልማት ዓቃቢ ሰብእዊ መሰላት ተሸላሚት ኮይና’ላ።

 

እዚ ሽልማት ብ ውድባት ዕቀባ ሲቪላዊ መሰላት ዝተዋህበ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብመሰረት እዞም ውድባት OVD-Info ኣገዳሲን ናጻን ምንጪ ሓበሬታ መስጐጒቲ ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ሩስያ ስለዝኾነት እያ ነዚ ስልማት ዝተሓርየት።

 

“መንግስቲ ብተደጋጋሚ ኣፍ ተቓወምቲ ንምትሓዝ እኳ እንተፈተነ እዛ ጒጅለ ንማእሰርቲ እዞም ፖለቲካውያን ተቓወምቲ እናተኸታተለት ምጽብጻባን ሕጋዊ ሓገዛት ክረኽቡ ምግባራን” ንሽልማት ዘብቅዓ ቀንዲ ረቛሒ ምዃኑ ቦርድ ምክልኻል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘውጻኦ መግለጺ ኣነጺሩ’ሎ።

 

እዛ ጒጅለ ኣብ 2011 እያ ብ ፕሮግራመር ዳኒል በይሊንሰን ከምኡውን ጋዜጠኛ ግሪጎሪ ኦኽቲን ተመስሪታ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እታ ውድብ 75 ሰራሕተኛታትን ኣስታት 3000 ወለንተኛታትን ኣለዉዋ።

 

ዳኒል ቤሊንሰን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ እዚ ሽልማት ኣገዳሲ መግለጺ ኣፍልጦን መኽፈቲ ዕድላትን እዩ ኢሉ።

 

“ሩስያ ማለት ፑቲን ማለት ኣይኮነትን። ምሉእ ዓለም ኣብ ሃገርና ሩስያ ዘሎ ጭቆናን ዓፈናን ክፈልጠልና ንደሊ ኢና። ህዝብና ንጎነጽ ዝጽየፍን ብነጻነት ዝሕበንን ምዃኑ ንዓለም ክለላሊ ንደሊ ኢና” ክብል ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

 

እዛ ጒጅለ ክሳብ እዛ ሒዝናያ ዘሎና ዓመት ጒዳይ 23ሽሕ እሱራት ብሰላማዊ ሰልፊ ክትቃወም ምጽንሓ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com