Monday , April 29 2024
Virginia Roberts Giuffre, a sexual assault victim,(AP Photo/Bebeto Matthews) NYBM105

ሓንቲ ኣመሪካዊት፡ ን ዱክ ዮርክ፡ ብጾታዊ ምድፋር ከሲሳ

ኣመሪካዊት ቨርጂንያ ጁፍረ፡ ን ዱክ ዮርክ ብጾታዊ ምዕማጽ ከሲሳቶ።

ጓል 17 እናሃለወት፡ ምስ ዱክ ዮርክ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ብምባል ናብ ብሪጣንያ መጺኣ ምንባራ እትገልጽ ቨርጂንያ፡ ንዱክ ዮርክ ብጾታዊ ዓመጽ ብምውንጃል ኣብ ኒውዮርክ ናይ ክሲ መዝገብ ኣእትያ ምህላዋ ቢቢሲ ሓቢራ። ንሳ እዚ ብ ዱክ ዮርክ ማዕርግ ዝጽዋዕ ፕሪንስ ኣንድሩው፡ ኣብ ከተማታት ለንደንን ኒውዮርክን ብተደጋጋሚ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፈጸመላ ኣብቲ ክሲ ሓቢራ’ላ።

ብመሰረት ኣዋጅ ግዳያት ቆልዑ (Child Victim Act) ዓበይቲ ብቚልዕነቶም ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም በደላት (እንተላይ ጾታዊ ምዕማጽ) ናይ ምኽሳስ መስል ኣለዎም። ብመሰረት እዚ ክሲ፡ ፕሪንስ ኣንድሩው ቨርጂንያ፡ ትሕቲ ዕድመ ምዃና እናፈለጠ ብዘይፍታዋ ኣብ ልዕሊኣ ጾታዊ ገበናት ፈጺሙ ኣሎ። በዚ ድማ ቨርጂንያ ከቢድ “ስነ ልቦናውን ስምዒታውን መህሰይቲ ኣጋጢምዋ ኣሎ ይብል እቲ ክሲ።

ኣብዛ ሃገር፡ ዝኾነ ሰብ ልዕሊ ሕጊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ዝኾነ ዝተበደለ ኸኣ ብሕጊ ጒዳዩ ክረአን ፍትሒ ክረክብን ግድነት እዩ” ክብል እቲ ሰነድ ገሊጹ’ሎ። ፕሪንስ ኣንድሩው ብተደጋጋሚ ነዚ ክሲ መሰረት ዘይብሉ እዩ ክብል ነጺግዎ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com