Monday , April 29 2024

ሓንቲ ዓለም፡ ፈተናን እምነትን ተስፋን (Trials, faith and hope)

ኣማኑኤል ሳህለ

ኩሉ ሓላፋይ እዩ፡ ትዕግስቲ ጥራይ ይሃሉኻ፡ ዚብል ሰብ ብዙሕ እዩ። ኣብዚ ምኽርዚ ክልተ ሕቶታት ኪለዓሉ ይኽእሉ፤ ኩሉ ሓላፋይ እዩ ክንብል ከሎና፡ እንታይ ማለትና ኢና? ዘይሓልፍ ፈተና ኸኣ ኣሎ እኮዩ፡ ማለት ክሳዕ መቓብርካ ደድሕሬኻ ዚስዕብ ፈተናን መከራን። ትዕግስቲ ክንብል ከሎናኸ ነቲ ናይ እተፈላለዩ ሰባት ናይ ተጻዋርነት ተኽእሎ ኣብ ግምት ኣእቲናዮ ዲና? ደረጃታት ተጻዋርነት ሰብ እተፈላለየ ምዃኑ ንፈልጥ ዲና?

ናይ ፈተናታት ምምካት ተኽእሎ፡ ኣብ እተፈላለየ ረቛሒታት እተመርኮሰ እዩ። እዚ ድማ በቲ ናይቲ ዚፍተን ዘሎ ሰብ ኣእምሮን ኣተዓባብያን ይጽሎ። ገለ ሰብ ብንእሽቶ ፈተና ኣንፈቱ ኸጥፍእ ከሎ፡ ገለ ድማ ብቐሊሉ ይሰግሮ። ፈተናታት ንገለ ትምህርቲ ኪኾኖ ከሎ፡ ንገለ ድማ ናብ ጭንቀትን ጽላለን የብጽሖ። ገለ ኪፈትሖ ይጋደል፡ ገለ ድማ ከም ዘየልቦ ገይሩ ንነብሱ ከእምና ይፍትን።

ሽሕኳ ኩሉ ሰብ ተመሳሳሊ ኣካላት እንተ ሃለዎ፡ ገሊኡ ሕማም ዘይክእል፡ ገሊኡ ስቓይ ዘይጻወር፡ ገለ ረዓዲ፡ ገለ ኸኣ ሰማይ እንተ ተገልበጠ ድምብርጽ ዘይብሎ ኣሎ።

ተምሃሮ ኸሎና: ሓደ የማነ ዚብሃል ወድክላስና ይዝከረኒ። ንሕና ብሻቦጥ ክንህረም ከሎና ነታ ክፍሊ ብኣውያት ነንቀጥቅጣ: የማነ ግን ብሓለንጊ ኪግረፍ ከሎ ነተን መምህር ከሕርቕ ኢሉ ይኹን ወይ ናይ ስምዒት መትንታቱ ሞይቱ ይኹን: ኣሰይ ኣሰይ ክጥዕም: ድገማኒ… ይብል ደኣ ነበረ።

ወድሰብ ከምቲ ብመልክዕን ሕብርን ቅርጽን ዚፈላለ፡ ብባህርያትን ውሽጣዊ ትሕዝቶን ድማ ይፈላለ እዩ። ካብኡ ናብኡውን፡ ደቀንስትዮ ካብ ደቂተባዕትዮ ዝያዳ ናይ ተጻዋርነት ብቕዓት ኣለወን ይብሃል።

ተጻዋርነት ብኣካልን/ስጋን ከምኡውን ብኣእምሮ ይካየድ። ግን ኣእምሮ ንኣካል/ስጋ ኪጸልዎ ስለ ዝኽእል (mind over matter) እቲ ናይ ምጽዋር ሓይሊ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ኣእምሮ እዩ ዚምርኮስ።

ኣብቲ ፈተናታት ዝበዝሖ ናይ ህይወት ጕዕዞ፡ እቲ ኣእምሮ ተስፋ ምስ ዚረክብ፡ ነቲ ደኺሙ ዘሎ ኣካላት ኪቕጽል ይሕግዞ። ብኣንጻሩ ድማ፡ ኣብቲ ኣእምሮ ናይ ተስፋ ምቝራጽ ኣሰራት ምስ ዚህሉ፡ እተን ኣዝየን ዝጠንከራ ኣእጋርውን ሰንከልከል ኪብላ ይጅምራ።

እምነትካ ኣብ ሰብ ኣንቢርካ ይኹን ወይ ኣብ መለኮታዊ ነገራት፡ ነቲ ኣእምሮ ተስፋን ውሕስነትን ስለ ዚህቦ፡ እቲ ኣእምሮ ድማ ብግደኡ ነቲ ኣካል ኪቃለስ ሓይሊ ስለ ዚህቦ፡ እቲ ኣብ ሓደ ነገር ኣሚኑ ዚጎዓዝ ሰብ፡ ካብቲ ዝኣምኖ ነገር ዘይብሉ ተጐዓዛይ ንላዕሊ ብቐሊሉ ኣብ ዕላማኡ ኪበጽሕ ይኽእል። ስለዚ ኸኣዩ እቶም ኣብ ሓደ ነገር እምነቶም ዘንብሩ ሰባት፡ ካብቶም ዝኣምኑዎ ነገር ዘይብሎም ሰባት ንላዕሊ ዝያዳ ንጸገማት ኪጻወሩ ዝኽእሉ።

ተጋደልቲ ኤርትራ: ኣብ ምዕዋት ሰውራን ኣብ ናጽነት ኤርትራን ነቕ ዘይብል እምነትን ተስፋን ስለ ዝነበሮም እዮም ወድሰብ ኪስከሞ ይኽእል እዩ ኢልካ ዘይግመት ጸገማት ተጻዊሮም ናጽነት ዘምጽኡ።

ኣብ ውልቃዊ ይኹን ማሕበራዊ ምዕባለ፡ ፈተናታት ኪመጹ ባህርያዊ እዩ። ኣዕሚቝካ ምስ እትርእዮ ግን፡ እቶም ፈተናታት እንብሎም፡ ዝመጽኡ ወይ ዝኸዱ ዘይኮነስ፡ ኣብ ጕዕዞኻ ዚጓነፉኻ መሰናኽላት እዮም። ንባዕላቶም መሰናኽላት ኣይኮኑን፡ ግን ንኣኻ ተጓዓዛይ መሰናኽላት እዮም።

ይኹንምበር: ሓድሓደ ግዜስ ኣብ ፊትና ተገቲሮም ንኽጸንሑና ባዕልና ኢና እንዕድሞም። ዝዓደምካዮ ጸገም ወይ መከራ ድማ ዕድመኡ ኣኽቢሩ እዩ ዝመጸካ።

ዝኾነኾይኑ እስከ ንውሕጅ ከም ኣብነት ነምጽኣዮ። ነዊሕ መገሻ ትጎዓዝ ኣሎኻ ንበል። እቲ መሬት ለጥ ዝበለ እዩ። ስለዚ ብሰላም ጕዕዞኻ ትቕጽል። ኣብ ሓደ ህሞት ግን፡ ኣብ ቅድሜኻ ንኽትሳገሮ ኣስጋኢ ዝኾነ ዓቢ ውሕጅ ትረክብ። እቲ ውሕጅ ካብ ቀደሙ ኣብኡ ዝነበረ እዩ። ቦታኡ እዩ። ንስኻ ኢኻ መጺእካዮ። ግን ከኣ ክትሰግሮ ኣሎካ። ስለዚ ኣብቲ ናይ ህይወት ጕዕዞውን ከምኡ እዩ። ግድን ክትሰግሮም ዘሎካ ፈተናታት ክትረክብ ኢኻ። ንኣኻ ኢሎም ዝመጹ ዘይኮነስ: ኩነታት ዝፈጠሮም እዮም።

ግን ኣብቲ ምስጋርካ፡ ተጻዋርነት ኣሎካ ዲዩ ወይስ የብልካን? ንኣብነት ነቲ ውሕጅ ክትሰግሮ ከሎኻ፡ ብታሕቲ ሸተት እናኣበለን ኣብ ኣፍካን ኣፍንጫኻን ማይ እናጨንጐዐን ሞኽ ምስ ዘብለካ፡ ምጽዋር ስኢንካ በቲ ውሕጅ ተጎቲትካ ናብ ሞትካ ክትከይድ ዲኻስ ወይስ እናተቓለስካን ነቲ ዝጻባኣካ ኩሉ እናተጻወርካን ክትሰግር ኢኻ? ኣብዚ ኩነትዚ፡ ዕላማን እምነትን ተስፋን ዓቢ ተራ እዮም ዚጻወቱ።

ምናልባት ኣብቲ ስግር ውሕጅ: ጸላኢኻ ይጽበየካ ከም ዘሎ እንተ ትፈልጥ፡ ዘልሓጥ ኢልካ ምወደቕካሞ በቲ ውሕጅ ተጎቲትካ ድማ ምኸድካ። ምናልባት ኣብቲ ስግረ-ውሕጅ ንኣፍቃሪትካ ብማዕዶ እንተ ትርእያ ድማ፡ ነቲ ውሕጅ ጨዲድካ ምተሳገርካ።

ኣእምሮ ንኣካላት ይእዝዞን ይጠውዮን ከም ዚቃለስ ይገብሮን እዩ፡ ብኣኡ መጠን ድማ ንተጻዋርነት የደልድሎ። ዘይሩ ዘይሩ፡ ወድሰብ ብእምነትን ብተስፋን እዩ ዚነብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com