Friday , April 26 2024

ሓንቲ ዓለም . . . . ብኣማኑኤል ሳህለ . . . .ዘመነ ጻህያይን ክርዳድን (Survival of the Unfittest)

ንኹሉ ገግዜኡን ዘዘመኑን ኣለዎ። ለባም ዝኸብረሉ ዘመን ኣሎ፡ ለባም ዚነዓቐሉ ግዜ ድማ ኣሎ። ዓሻ ዝሕብኣሉ ዘመን ኣሎ፡ ዓሻ ኣብ ዙፋን ጠቢባን ዚድይበሉ ግዜ ድማ ኣሎ። ለባማት መራሕቲ፡ ከም ርህሩህ ጓሳ ንህዝቦም ዚጓስዩሉ ግዜ ኣሎ፡ እኩያት መራሕቲ፡ ከም ዕሱብ ጓሳ ንህዝቦም ዘጥፍኡሉ ግዜ ድማ ኣሎ።

ብፍላይ፡ ሕማቕ ግዜ ኪፍጠር ከሎ፡ ወድሰብ ድማ መሬት ከም ዓይኒ መርፍእ ክትጸቦ ከላ፡ ሽዑ ዚፍጠሩ ወይ ዚዕምብቡ መራሕትን ገበርትን ሓደግትን ኣለዉ። ንሕማቕ ዘመን’ሲ በዓል ጋዕሳ ኣለዋ ተባሂሉ እኮ`ዩ።

ቀደም ኣብ ገጠር ዚቕመጡ ዝነበሩ ኣቦታትና፡ ኣብ መጎኦም ለባማት ሰባትን ዘይውርዙያት ሰባትን ይልለዩ ነይሮም ኢዮም። ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ነቲ ዓዲ ዚምልከት ጸገማት ፍታሕ ምስ ዘድልዮ፡ ምይይጥ ወይ ባይቶ ድማ ምስ ዘድሊ፡ በዓል መን ኢዮም ለባማት ተባሂሎም ዚድለዩ ሰባት ነይሮም፡ ምኽሮም ድማ ብዙሕ ዋጋ ይወሃቦ ነይሩ።

ቀስ እናበለ፡ እቲ ብሕርሻን ብመጓሰን ዚምራሕ ዝነበረ ማሕበረሰብ፡ ብናይ ከተማዊ ምዕባለን ንግድን መንግስታዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን እናተለወጠ ብምኻዱ፡ እቶም ለባማት ዚብሃሉ ዝነበሩ ሰባት በቶም ሰብ ሃብቲ ኪትክኡ ጀመሩ፡ እቶም ውርዙያት ድማ ዝነበሮም ማሕበራዊ ሚና ወይ ተራ ብሰራሕተኛታት መንግስቲ ኪተሓዝ ጀሚሩ። በዝን ክንድዝን፡ ዓዋናት ኣብ ወናብር ጥበብ ኪቕመጡ ክኢሎም፡ ዓያሹ ድማ ንቦታ ወራዙት ኪሕዙ ተራእዮም።

ብዓለም ደረጃ ክንርእዮ ምስ እንፍትን፡ ቀደም ዘመን ወድሰብ ውሑድ ከሎ፡ ህይወት ድማ ከቢድን በዳህን ከሎ፡ እቲ ተቓሊሱ ዚዕወት ጥራይ ኢዩ ናብ ላዕሊ ዝበጽሕ ዝነበረ። እቲ ድኹምን ሕልናኡ ዕሩብን ድማ ቀስ እናበለ ካብቲ ማሕበረሰብ ይእለ ነይሩ። እዚ ንርእሱ ከም ማሕበራዊ ኢቮሉሽን ተባሂሉ ኪጽዋዕ ይኽእል ኢዩ፡ ከመይሲ፡ ተፈጥሮ ኣብ ምጽጻይን ምምማይን ነገራት ቀንዲን ወሳንን ተራ እዩ ዚጻወት። ከምቲ ኣብ ፍጥረት ‘ናይቲ ብቑዕ ቀጻልነት ምንባር’ ወይ ብእንግሊዝ suvival of the fittest ዘሎ፡ ኣብ ማሕበራዊ ናብራ እውን ‘ ናይቲ ብቑዕ ቀጻልነት ምንባር’ ዝመሰረቱ መስርሕ ኣሎ። ግን ኩሉ ግዜ ኣይሰርሕን።

ብተመሳሳሊ መገዲ ኣብቲ ናይ ምንባር ቃልሲ እውን ዓሻን ዓዋንን ኪነብሩ ዕድልም ኣይነበሮምን። እቶም በላሕቲ ሃደንቲ ምንባሮም ኪቕጽል ከሎ፡ እቶም ዓዋናት ግን ብጥምየት ይሞቱ ነይሮም።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ህዝቢ፡ ኩሉ ግዜ ብኣእምሮን ብባህርያትን ብኣተሓሳስባን  መዳይ፡ ጥዑያትን ሕሙማትን ኣለዉ። ንኣብነት ሓንቲ ናይ ቤትትምህርቲ ክፍሊ ንውሰድ። ኣብዛ ክፍሊ’ዚኣ 50 ተመሃሮ ኣለዉ ንበል። ካብዚኣቶም፡ ሓደ ወይ ክልተ ኣዚዮም በላሕቲ፡ ሓደ ወይ ክልተ ኣነነት ዘጥቅዖም፡ ሓደ ወይ ክልተ ብዛዕባ ሰብ ፋዕራ ዘይብሎምን ጨካናትን፡ ሓደ ወይ ክልተ ኪመርሑን ኪመልኩን ዚደልዩ፡ ሓደ ወይ ክልተ ሕልናኦም ዝዓረበ፡ ወዘተ. ከምኡውን ክሳዕ 20 ዝበጽሑ ተመራሕትን ርእሰ-ተኣማንነት ዘይብሎምን ተመሃሮ ክንዕዘብ ንኽእል።

ነዞም 50 ተመሃሮ ሒዝካ ናብ ካልእ ኣከባቢ ንኣብነት ንበረኻ ወይ ገጠር ምስ እትኸይድ፡ እቲ ስእሊ ይልወጥ ኢዩ። እቲ ኣብቲ ክፍሊ በሊሕ ዝነበረ፡ ኣብ ጫካ ምስ ኣተወ ፈዛዝ ኪኸውን ይኽእል። እቲ  መራሒ ዝነበረ፡ ተመራሒ ኪኸውን ይኽእል። ግን እዚ ንግዜኡ ጥራይ ኢዩ፡ ከመይሲ እቲ መሰረታዊ ባህርይ ሰብ ቀልጢፉ ኪልወጥ ኣይክእልን ኢዩ፡ ተደጒሉ ኢዩ ዚጸንሕ። ምቹእ ግዜን ቦታን ምስ ረኸበ ድማ ይበቁልን ይዕምብብን።

ወድሰብ ክልተ ዓይነት ንቕሓት ወይ ኣስተብህሎ (consciousness) ኣለዎ። ደጋዊ ከምኡውን ውሽጣዊ (subconscious)። በቲ ቀዳማይ ገይሩ መዓልታዊ ህይወቱ ይመርሕ። በቲ ካልኣይ ገይሩ ድማ መዓልታውን ሰብኣውን ህይወቱ ይመርሕ። ነቲ ቀዳማይ ኪቆጻጸሮ ይኽእል ኢዩ። ነቲ ካልኣይ ግን ፈጺሙ ኪቆጻጸሮ ኣይክእልን። ግን ከኣ ኣብ ኩሉ ዚፍጽሞ ጌጋታትን ኣብ ኩሉ ኣብዛ ዓለም ኪነብር ከሎ ዚጓነፎ ነገራትን እቲ ውሽጣዊ ኣስተብህሎ ኢዩ እቲ ቀንድን መሰረታውን ተራ ዚጻወት ሓይሊ።

እዚ ውሽጣዊ ኣስተብህሎ ንሓደ ህዝቢ እውን ብሓደ ከም ዚሓስብን ከም ዚምራሕን ኪገብሮ ይኽእል እዩ። እዚ ብስነ-ኣእምሮ፡ እኩብ ውሽጣዊ ኣስተብህሎ (collective unconscious) ይብሃል።

ናይ ሓደ ህዝቢ እኩብ ውሽጣዊ ኣስተብህሎ፡ ነቲ ናይቲ ህዝቢ ውሽጣዊ ድሌታት ከማልእ ድሉዉ ኢዩ። ኩሉ ኣብቲ ህዝቢ ዝወድቕ ሕማቕ ኮነ ጽቡቕ ነገራት፡ በቲ ናይቲ ህዝቢ ኪቆጽጻጸሮ ዘይክእል እኩብ ውሽጣዊ ኣስተብህሎ እናተመርሐ ኢዩ ዝመጽእ። በዚ መሰረት’ዚ፡ ንሂትለር ኪመጽእ ዘኽኣሎ፡ ባዕሉ እቲ ህዝቢ ጀርመን ኢዩ። ንሙሶሊኒ ኪትንስእ ዘኽኣሎ ባዕሉ እቲ ኢጣልያዊ ህዝቢ ኢዩ። ብሓጺሩ፡ ንክፉኣትን ሰናያትን መራሕቲ ዚፈጥሮም ባዕሉ እቲ ህዝቢ ኢዩ። ኣምላኽ መርገም ሰዲዱልና ዚብሃል ነገር የሎን። እቲ መርገም ባዕልና ኢና እንፈጥሮ። ምስ ለበምና ወይ ድማ ካብቲ እኩብ ውሽጣዊ ኣስተብህሎ ናብቲ ደጋዊ ኣስተብህሎ ክንሰግር ምስ ከኣልና፡ ንኣእምሮናን ተግባራትናን ድማ ክንቆጻጸር ምስ በቓዕናን፡ ሽዑ ኢዩ ነቲ መርገም ዝኾነ መራሒ ክንኣልዮ ወይ ከነልግሶ እንኽእል። ባዕልና መምጻእቲ መርገም፡ ባዕልና ሰደድቲ መርገም።

ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ግን፡ እቲ ናይ ወድሰብ ደጋዊ ኣስተብህሎ ነቲ ኩነታት ዘግድዶ ዘሎ ይመስል ኣሎ። ምኽንያቱ ድማ ወድሰብ ምስ ተፈጥሮ እናተቓለሰ፡ ነቲ ኪጠፍእ ወይ ኪእለ ዚግብኦ ነገራት ምስቲ ኪዕቀብ ዚግብኦ ነገራት ብሓደ ከም ዚነብር ኪገብሮ ብምኽኣሉ ኢዩ፡ ማለት ነቲ ጻህያይ ኮነ ወይ ነቲ ክርዳድ ምስቲ ስርናይ ከም ዝዓብን ክንክን ከም ዚወሃቦን ይገብር ኣሎ። ከምዚ መግበሪኡ ድማ፡ መሰላት ፍጡር ንምሕላውን ንምዕቃብን ኣብ ዚብል ኣምር ብምምርኳስ ኢዩ። እዚ ከኣ’ዩ ነቲ ናይቲ ዘይብቑዕ ቀጻልነት ምንባር (survival of the unfittest) ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ።

በዚ ምኽንያት’ዚ ኣብ ዓለምና ዓዋናት ምንባር ንኺቕጽሉ ምቹእ ዕድል እዩ ተፈጢሩሎም ዘሎ። ስለዚ ቁጽሮም እናበዝሐን ኣብቲ ኣብ ዓለምና ዚግበር ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ወትሃደራውን ውሳኔ እውን ድምጾም ከስምዑን መራሕቲ ከፍርዩን ክኢሎም ኣለዉ።

ንኹሉ ፍጡር መሰሉ ምሕላው ጽቡቕን ዚምስገንን እኳ እንተ ኾነ፡ ምስቲ ናይ ወድሰብ ማሕበራዊ ደረጃ ዚቃዶ ግን ኣይኮነን። ወድሰብ፡ ምስዚ ኩሉ ተክኖሎጂኡን ዘመናዊ ትካላቱን ንግዱን ምምሕዳሩን፡ ብውሽጡ ጌና ኣብቲ ሃዳናይን ኣራይ ቋርፍን (hunter gatherer) ዝነበረሉ ግዜ ኢዩ ዘሎ። ወድሰብ በቲ እኩብ ውሽጣዊ ኣስተብህሎ ሸነኹ፡ ካብቲ ኣማኢት ኣሸሓት ዓመታት ኣብ በዓትታት ዚነብር ዝነበረ ሰብ ብዙሕ ፍልልይ ከም ዘይብሉ ምሁራን ስነ-ሰብ ዘረጋግጹዎ ሓቂ ኢዩ።

ብሓጺሩ፡ ክርዳድ ምስ ስርናይ ብሓደ ይሕፈስ ኣሎ ማለት ኢዩ። እቲ ክርዳድ መሰል ኣለዎ እኮዩ ዚበሃለሉ ዘመን ስለ ዝኣቶና፡ እቲ ክርዳዳዊ ኣተሓሳስባና ድማ ክርዳታት መራሕቲ ኪፈጥር ጀሚሩ ኣሎ።

ክርዳድን ጻህያይን ዝዛረቡ እንተ ዝኾኑ’ሞ ኣኪብካ መራሒኹም ምረጹ እንተ ዚብሃሉ፡ በቲ ደጋዊ ኣስተብህሎ ተደሪኾም ንስርናይ ዘይኮነስ ነቲ ንኣታቶም ዚመስልን ንኺስዕቡዎ ጸገም ዘይፈጥረሎምን ኣብ ትሕቲኡ ኣእቲዩ ንሳቶም ኣዕሪፎም ንሱ ባዕሉ ዚሓስበሎም ክርዳድ ወይ ጻህያይ ምመረጹ።

ናይ ምምራጽ ዕድል እንተ ዘይወሃቦም ነይሩ ድማ በቲ እቲ እኩብ ውሽጣዊ  ኣስተብህሎ ኣብ ባህርያቶምን ጠባዮምን ኣካይዳኦምን መንፈሶም ዝፈጥሮ ራኢ፡ ከምኡውን በቲ ኪቖጻጸሩዎ ዘይክእሉሉ መገዲ፡ ነቲ ከማታቶም ክርዳዳዊ ወይ ጻህያያዊ ባህርያትን ቅርጽን ኣቃውማን ዘለዎ ሰብ ከም ዚመጽእ ወይ ከም ዚፍጠር ምገበሩ ወይ’ውን ከምኡ ሰብ ንኺመጽእ መገዲ ምጸረጉ ወይ ንሱ ኪዕምበሉ ዚኽእል ምቹእ ባይታ ምፈጠሩ!!

ይኹንምበር፡ ግዜ ይውስድ ይኸውን፡ ተፈጥሮ ግን ስርሓ ኣይትገድፍን ኢያ። እቶም ክርዳዳዊ ባህርያት ዘለዎም ሰባት፡ ነቲ ክርዳዳዊ ባህርያት ዘለዎ መራሒ ምስ መረጹ፡ ንሱ ሒዙዎም ኢዩ ዚጠፍእ እሞ፡ ዓዋናትስ ንምድሪ ኪወርሱዋ ከቶ ኣይከኣሎምን ኢዩ። ተፈጥሮ ድማ ከምዚ ገይራ እያ ንኹሉ ፍጡር ክሳዕ ዝከኣላ ክትዕቅቦ እትፍትን።

ዓዋናት ምስ ኣልገሱ ዚትክኦም ህዝቢ ግን፡ ተመክሮ ስለ ዝመሃሮ፡ እቲ ዘዋጽኦ ለባም ምዃን እምበር ዓሻ ወይ ዓዋን ምዃን ከም ዘይኮነ ይግንዘቦ ኢዩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com