Friday , April 26 2024

ሓንቲ ዓለም: ብኣማኑኤል ሳህለ

ስነጥበብን ቅጥዕን (A Runaway Art)

ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዳርጋ ኩሉ ኣብ ቅድመኻ ዝጓነፈካ ነገራት ከም ስነጥበብ እናተቘጽረ ይኸይድ ዘሎ ይመስል። ስም ከተውጽኣሉን ክትገልጾን እንተ ኽኢልካ ድማ ከም ብርቂ ስነጥበብ ተቘጺሩ ኣብ ኤግዚቢሽን ኪረኣየልካ ይኽእል። ኣብ መሸጣ ቀሪቡ’ውን ብርክት ዝበለ ገንዘብ የምጽኣልካ።

እቶም ኣብ መበለ 19 ክፍለዘመን ኣብ ኤውሮጳ ዝነበሩ ስነጥበበኛታት፡ በቲ ክላሲካል እናተባህለ ብምሒር ሕግን መምርሒታትን ተቐዪዱ ዝጐዓዝ ዝነበረ ስነጥበብ ዓቕሎም ጸቢቡዎም ነበረ። ከምቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ኩሉ ቍጠባውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ኣተሓሳስባን ኣመለኻኽታን፡ ለውጥታትን ጽገናታትን ዚካየድ ዝነበረ፡ ጸጸኒሑ’ውን ናዕብታትን ሰውራታትን ዚግንፍል ዝነበረ፡ ኣብ ስነጥበብ’ውን ከምኡ ለውጥታት ኪካየድ ከም ንቡር ተወስደ። ብሓጺሩ፡ ናይ ስነጥበብ እምቢተኛታት እናበዝሑ ኸዱ።

ከም በዓል ሞነን ሰዛንን ኣብ ሃገር ፈረንሳ፡ ፋን ኮኽ ኣብ ሆላንድ ወዘተ. እተባህሉ ናይቲ ዘመን’ቲ ሰብ-ቅብኣውያን ነቲ ክላሲካል ዚብሃል ዝነበረ ናይ ስነ-ቅብኣ ቅዲ ብምጥሓስ፡ ናታቶም ኣገባባት ከማዕብሉ ጀመሩ። ርግጽ’ዩ በቶም ኣኽረርቲ ብዙሕ ጸርፍን ዘለፋን ዘኒቡዎም እዩ። ግን ብኣኡ ከይተበገሩ ስራሓውቶም ቀጸሉ።

ካብቲ እዋን’ቲ ጀሚሩ፡ መግብን ኣከዳድናን ትልሂትን ሙዚቃን ወዘተ. ኣንፈቱ እናቐየረ ኸደ።

ቀስ እናበለ፡ ቅድታትን ፋሺናትን ሞዳታትን ኪልወጥ ጀምረ። ስለዚ ኸኣ፡ ካብ ንጉሳዊ ግብዣ ናብ ሳንድዊች፡ ካብ ካባን ቆብዕን ናብ ራንግለርን ጂንስን፡ ካብ ቫልሰር ናብ ሮከንሮል፡ ካብ መለኸትን በገናን ናብ ኤለክትሪክ ጊታር፡ ወዘተ. ኪስገር ዳርጋ ካብ ፍርቂ ዘመን ዚሓልፍ ኣይጸንሐን።

ብሓጺሩ፡ ፖለቲካ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ስነጥበብ’ውን ደሞክራስያዊ ኣንፈት እናሓዘ መጸ። ብጥንቲ ኣብ ንጉሳውያንን መኳንንትን ተሓጺሩ ዝነበረ ምውናን ባህሊ፡ ናብ ሓፋሽ ሰገረ። ግን ኪበዝሕ ኪበዝሕ፡ ስነጥበብ ካብ ደረት ኪወጽእ ድማ ጀመረ። ካብ ደረት ምውጻእ ድማ ናቱ ጸገማት ኣለዎ። ብዘይ ሓደሓደ ቀይዲ፡ ኣድማዒ ለውጢ ኪመጽእ ኣይክእልን።

ሓደ እዋን ማሎ እተባህለ (ናይ ምህዞ ስም) ኣብ ሃገር ፈረንሳ ዚቕመጥ ስነጥበባዊ ቀባኢ ነበረ። ዋሊ እተባህለት ህበይ ከኣ ነበረቶ። ንሱ ሓደ መዓልቲ ንዋሊ ቅብእን ብራሽን ብምሃብ ክትቀብእ ኣመተላ። ንሳ ግን ንግዜኡስ ኣይተገደሰትን።

ጸኒሑ፡ ባዕሉ ቅብእን ብራሽን ሒዙ ኣብቲ መንደቕ ኪቐብእ ጀመረ። ሽዑ፡ ወይዘሪት ህበይ ንኣኡ ብምርኣይ ቅርጹን ትርጉሙን ብዘይርደኣካ መገዲ ክትለክን ክትቀብእን ጀመረት። ከምዚ ኢላ ድሕሪ ቅሩብ ሰሙናት ነቲ ስራሕ ብዕቱብ መገዲ ተተሓሓዘቶ’ሞ፡ ኣብቲ ዓዓዲጉ ዘምጸኣላ ዝነበረ ጻዕዳ ወረቐት ሓንጀመንጂ ክትቀብእ ጀመረት።

ማሎ ነቲ ናይታ ህበይ ስነቅብኣ ሒዙ ናብ ሓደ ብጻዩ ምስ ከደ። እቲ ብጻዩ ነቲ ስራሕ ከም ኣብስትራክት ወይ ሞደርን ኣርት ገይሩ ብምውሳድ ኪዕድገሉ ጀመረ። ዋሊ ኣብቲ ማሎ ዘምጸኣላ ወረቓቕቲ ክትጽይቕ፡ ማሎ ንኣኡ ሒዙ ኪሸይጥ፡ ኣብ መወዳእታ ሃብትን ራህዋን እናደበለ ናብ ገዛ ኣተወ።

ዋሊ ድማ በቲ ማሎ ምሸት ምሸት ተማሊኡላ ዚመጽእ ዝነበረ ባናናን ቱፋሕን ሃጠረትን ወላህላህ በለትን። ማሎ’ውን ነቲ ጠቃር ክዳውንቱ ኪቕይሮ ጀመረ። ከምዚ ኢሉ ድማ ማሎ ሳላ ህበይ፡ ናይ ዕለት እንጌራኡ እናማእረረን ኣብ ቅድሚ ሰባት ክብርን ዝናን እናረኸበን ህይወቱ መርሐ። ሰኣን ህበይ’ዶ ትጠፍእ ነፍሲ!

ኣብ ሃገር ፈረንሳ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ናይ ሞሌር ድራማታት ብደርፊ ገይሮም ከቕርቡዎ ተዓዚበ። ጽንሕ ኢሎም ናይ ሼክስፒየር ኦተሎ ወይ ሃምለት ብራፕ ገይሮም ከቕርቡዎ ህርድግ ዚብሉ ኣይሰኣኑን እዮም። ናይ ቤትክርስትያን ናይ ቅዳሰ ማህለት ብራፕ ኪፍትኑ ርእየ ኣለኹ። ኣብ ሃገራት ምዕራባውያን እንታይ ዘይግበር!

ከምዚ ዓይነት ቀይዲ-በተኽ ዝኾነ ስነጥበባዊ ፍርያት ምርዳእ ምስ ዚኣብየካ ገለ ሰባት ከም ፋራ ስለ ዚወስዱኻ፡ ከም እተረደኣካ ኣምሲልካ ክትፈላሰፍ ንቡር እናኾነ ይኸይድ ኣሎ።

ሓደ እዋን፡ ኣብ ፓሪስ፡ እቲ ውሩይ ግን ፈጺሙ ዘይርደኣካ ሳርትር እተባህለ ፈረንሳዊ ፈላስፋ ዝጸሓፋ መጽሓፍ ብብዝሒ ትሽየጥ ነይራ። ይኹን’ምበር ሓደ ምሁር ተዓዛቢ ከም ዝበሎ፡ ካብቶም ብሓቂ ዘንብቡዋ ዝነበሩስ፡ እቶም ካልኦት ከንብቡዋ ምስ ረኣዩ ደድሕሪኦም ብምስዓብ ዘንብቡዋ ዝነበሩ ይበዝሑ።

ነታ መጽሓፍ፡ ፍሉይ ዓይነት ኣጸሓሕፋን ኣረኣእያን ኢያ እትኽተል ብምባል ኢዩ ኩሉ ሰብ ገዚኡዋ። ተረዲኡዎም ዘንበቡዋ ግን ኣዝዮም ውሑዳት ደኣ ነበሩ። እዚ ነቲ “ኣብታይ’ሲ ካብቶም ዝዕንድሩ እቶም ኪዕንድሩ ርእዮም ዚዕንድሩ ይበዝሑ” ዚብል ናይ ኣቦታት ምስላ ግርም ገይሩ የንጸባርቖ።

ብፍላይ፡ ኣብዚ ግዜና’ዚ ኩሉ ፍልይ ዝበለ ኣከዳድና፡ ኣበላልዓ፡ ኣካይዳ፡ ኣጸሓሕፋ፡ ኣቀባብኣ፡ ኣደራርፋ፡ ወላ’ውን መትሓዚ ዘይብሉ ይኹን፡ ከም ሓድሽ ቅድን ውሕሉል ስነጥበብን ኣብስትራክት ኣርትን ተባሂሉ ይምዝገብ ስለ ዘሎ፡ ነቲ ናይ መምዘኒ ኣእምሮና (መካኒዝም) ዘዳኽሞ ዘሎ ይመስል።

ግን ኩሉ ሓላፊ ስለ ዝኾነ፡ እንተ ተኻእለካ ዓገብ እናበልካ፡ ወይ ድማ ብፍልስፍናዊ መገዲ እናተመልከትካ ክትሓልፎ ኣማራጺ ዘይብሉ መገዲ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com