Friday , April 26 2024

ሓንቲ ዓለም …. ብ ኣማኑኤል ሳህለ …. ተኣምራትን ምስጢራቱን (The Anatomy Of The Miraculous) ….ቀዳማይ ክፋል

ተኣምራት ኪብሃል ከሎ፡ ካብ ግእዝ ተኣምር ከምኡውን ትእምርቲ ዚብል ቃል ዝመጸ ኾይኑ፡ መስተንክር ወይ ፍሉይ ምልክት ናይ ሓደ ዘፍርህ ፍጻመ፡ ወይ ክስተት ማለት ኢዩ፣ እቲ ናይ ላቲን ሚራኩሉም ዚብል ዚመሳሰሎ ቃል ድማ ነቲ ዘገርም ነገር፡ ድንቂ፡ ብርቂ ዚብል ኣምራት ይገልጾ።
እምበኣር ትርጉም ተኣምራት፡ ኣብቲ ዘገርም ወይ ዘስደምም ዚብል ኣምር እተመርኮሰ ይመስል። እንታይ ኢዩ ግን እቲ ዘገርም?
ኣብ ዩኒቭርስ፡ ኣቐዲሙ ዘይነበረ ፍሉይ ዘገርም ነገር ወይ ፍሉይ ክስተት ወይ ፍጻመ ኪህሉ ኣይክእልን። ኩሉ ዝነበረን ዘሎን ዚህሉን ኢዩ። ኩሉ መስርሕ ዩኒቨርስ ብሓደ ፊዚካውን ማእከላውን ሕጊ ስለ ዝኸይድ፡ ፈሊኻ ሓድሽ ነገር ወይ ብርቂ ወይ መስተንክር ወይ ድንቂ እትብሎ ነገር ወይ ፍጻመ ኪህሉ ኣይክእልን።
ፍሉይ ወይ ዘገርም ወዘተ ዚገብሮስ ናትና ናይ ደቂሰብ ድሩት ኣረኣእያን ኣወሃህባ ትርጉምን ኢዩ። ዩኒቨርስ፡ ብኣካላዊ ስፍሓት ይኹን ብምስጢራዊ ዕምቆት ይኹን ደረትን መወዳእታን የብሉን። ናይ ወድሰብ ኣእምሮ ግን ድሩት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ድኹም እውን ኢዩ።
ብሓፈሻ ኪረአ ከሎ ወድሰብ ኣብዛ ሓጻር ምድራዊት ህይወቱ ናብ ምርምር ዘይኮነስ ናብ ማሪት ምጕያይ ይሰልጦ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እቲ ኣብ ውሽጢ ሚልዮናት ዓመታት እተዋህለለ ናይ ሃዳናይን ኣራይ ቋርፍን (hunter gatherer) ማሪታዊ ኣተሓሳስባ ስለ ዝመለኸና ኢዩ። ሃደንትን ኣረይቲ ቋርፍን ድማ ንኺቃለሱን ንኺበልዑን ንኺፋረዩን፡ ህየሳዊ ኣተሓሳስባ (critical thinking) ዘይኮነስ ደመነፍስ (instinct) ኢዩ ዘድልዮም ዝነበረ።
ንሓደ ኣብ ጫካ ዚነብር ህዝቢ፡ ብሞባይል ጌርካ ምዝራብ ተኣምራት ኪኸውን ከሎ፡ ንሓደ ኣብ ናይ ሞባይል ፋብሪካ ዚሰርሕ ሰብ ግን ኣሰልቻዊ ፍጻመ ኢዩ። ስለዚ እቲ ንገለ ፍጻመ ከም ተኣምራት ወይ ፍሉይ ክስተተ ገይሩ ዚወስዶ ሰብ፡ ምኽንያቱ ምስ ፈለጦ፡ ከም ተኣምራት ገይሩ ከም ዘይወስዶ ክንፈልጥ ይግባእ።
ወድሰብ ሞባይል ንምስራሕ ነቲ ኣብ ዩኒቨርስ ዘሎ ፊዚካዊ ሕግታት ብምስዓብን ብምቅንባርን ብምውግጋንን ኢዩ ተዓዊቱ። እቲ ንሞባይል ንምስራሕ ዝተዘውተረ ፊዚካዊ ሕግታትን ሓይልታትን ድፍኢታትን ካብ ቀደም ነይሩ ኢዩ፡ ኣእምሮ ሰብ ኢዩ ነዚ ኩሉ ኣቀናቢሩ ሞባይል ኪሰርሕ ዝኸኣለ። ከምኡውን ራድዮ፡ ተለቪዥን ወዘተ.
ንሓደ ነገር ስለ ዘይንፈልጦ ጥራይ ከም ተኣምራት ጌርና ክንወስዶ ስነመጎታዊ ኣይኮነን፡ ከመይሲ ኣብ ፍጥረት ካብ ሕጊ ዚወጽእ ፍጻመ የልቦን። ካብ ሕጊ ምውጻእ ማለት ሕንፍሽፍሽ ምፍጣር ማለት ኢዩ። ከምኡ ነይሩ እንተ ዚኸውን ድማ ንሕና እውን ኣይምሃለናን።
ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ሩባ ኮፍ ኢሉ ሓንቲ እምኒ ፍርቂ ሜትሮ ንላዕሊ ሓፍ ኢላ ክትንሳፈፍ እንተ ዚርኢ፡ ከም ዓቢ መለኮታዊ ተኣምራት ገይሩ ኢዩ ምወሰዶ፣ እናጎየየ'ውን ንካህናት ምነገሮም፡ ንሳቶም ድማ ናይ ምጽኣተ-ኣለም ደወል ምደወሉ። ድሕሪ ነዊሕ እዋን ውን፡ እቲ ጉዳይ ተጋኒኑን ተጸባቢቑን (ብፍላይ ኣብቲ ንመርትዖ ዘገልግል ቪደዮን ቴፕን ከምኡውን ናይ መጽናዕቲ ትካላትን ዘይነበሩሉ ግዜ)፡ እቲ ተኣምራት፡ እምኒ ኣብ ኣየር ተንሳፊፋ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እታ እምኒ ተዛሪባ፡ ወይ ተነብያ ዚብል ያታ እውን ምተለቀበሉ ነይሩ። ብዙሓት ድማ ምኣመኑዎ፡ ምኽንያቱ ድማ ወድሰብ ካብቲ ዚርድኦ ነገራት ንላዕሊ ነቲ ዘይርድኦ ነገራት ኢዩ ዚያዳ ኪኣምኖን ከምልኾን ዚደሊ።
ሓደ ናይ ሳየንስ ተመራማሪ ግን፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣጋጣሚ እንተ ዝጓነፎ፡  ዛዕባ ኣብ ምድራዊ ግራቪቲ ዚረአ ሓድሓደ ምዝንባዕ ደኣምበር ብዛዕባ መለኮታዊ ጣልቃ-ምእታው ኪሓስብ ግዜኡ ኣይመጥፍአን፡ ምኽንያቱ ድማ ኣብ ገለ ቦታታት ምድሪ እቲ ግራቪተሽናል ፊልድ ኪዘናባዕ ከም ዚኽእል ኣረጋጊጹ ስለ ዝፈልጥን፡ ብማሪታዊ ኣተሓሳስባ ኪግዛእ ስለ ዘይደልን፡ ኣእምሮኡ ድማ ብስነመጎት ስለ ዚምራሕን ኢዩ።
በዚ መገድ’ዚ፡ ዝኾነ ኣብ ፍጥረት ዚረአ &ተኣምራት፡ ግዜኡ ሓሊዉ ኪግለጽ ወይ ምኽንያት ኪቐርበሉ ከም ዚኽእል ክንፈልጥ ይግባእ። ካብ ሕጊ ዘምልጥ ነገር የልቦን። እቲ ዚልወጥ ዘሎ እቲ ሕጊ ዘይኮነስ ፡ እቲ ኩነታት ኢዩ ነቲ ሕጊ ከም ዘይሰርሕ ወይ ፍሉይ ባህርይ ከም ዚሕዝ ዝገብሮ ዘሎ።
ኣብቲ ናይታ እትንሳፈፍ እምኒ ኣብነት፡ እቲ ናይ ግራቪቲ ሕጊ ዘይኮነ ተለዊጡስ፡ እቲ ፍሉይ ቅርጽታት መሬት ኢዩ ነቲ እተለወጠ ኩነት ፈጢሩ ዘሎ። እቲ እተለወጠ ኩነት ድማ ነታ እምኒ ከም እትንሳፈፍ ገይሩዋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com