Friday , April 26 2024

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ሳየንሳዊ ሓበሬታ ካብ ደፋር መምህር (Ig Nobel Prize Winner?). . .

ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ሃገር ኤውሮጳ ኢዩ። እቲ መምህር ኣብ 3ይ ክፍሊ ሳየንስ ኪምህር እተመደበሉ ምኽንያት
ሕጽረት መምህራን ስለ ዝነበረ ኢዩ ምበር ፍልጠቱስ ክሳዕ ክንድዚ ኣይነበረን። ግን ከኣ ደፋር ኢዩ። ንሳየንስ
ዘይስሙ ሂቡ ምሕላፉ ግን ብቐሊሉ ዚርሳዕ ኣይኮነን።
ኣብ 3ይ ክፍሊ ሳየንስ ኪምርህ ምስ ኣተወ፡ ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ምሂሩ ወደአ፡ ነቶም ተመሃሮ ድማ ሕቶ
እንተለዎም ኪሓቱ ከም ዚኽእሉ ይሕብሮም። ግን ብዙሕ ግብረመልሲ ስለ ዘይረኸበ፡ ንሳየንስ ዚምልከት ዝኾነ
ዓይነት ሕቶ ኪሓቱ ከም ዚኽእሉ የዘኻኸሮም። ሽዑ ኢዩ ሓደ ተመሃራይ ቅድም ኢዱ ዊጥ ኣቢሉ ምስ ተፈቕደሉ፡
ተንሲኡ ከምዚ ዚስዕብ ሕቶ ዘቕረበ፥
መምህር፡ ስለምንታይ ኢዩ እቲ መዓልቲ ኣብ ግዜ ሓጋይ ዚነውሕ፡ ኣብ ግዜ ክረምቲ ድማ ዚሓጽር?
ብዙሓት ካብቶም ተመሃሮ ነቲ ሕቶ ብምድጋፍ ካብቲ መምህር መልሲ ይጽበዩ ነበሩ። እቲ መምህር ግን ሽሕኳ
ብዛዕባ ጀዮግራፊን ዑደት ጸሓይን ሙቐትን ዛሕልን ብዙሕ ኣፍልጦ እንተ ዘይነበሮ፡ ነቲ ጉድለት ፍልጠቱ ዚምልእ ግን
ብርቱዕ ድፍረት ነይሩዎ ኢዩ። ስለዚ ኣፍልቡ ነፊሑ ከምዚ ኪብል መለሸ፥
ደናቁር፡ ነዚ ድማ ሕቶ ኢልኩም ዲኹም ኣቕሪብኩምዎ ……. እስከ ቅሩብ ሕሰቡ። ሓደ ነገር ኪረስን
ከሎ ይዝርጋሕ ኢዩ፡ ኪዝሕል ከሎ ድማ ይጭበጥ ኢዩ ኢለ ምሂረኩም ነይረዶ?
ተመሃሮ፡ እወ ምሂርኩምና ብምባል ይምልሹ። ሽዑ እቲ መምህር ይቕጽል፥
እንታይ ደኣሞ ኴንኩም ቅሩብ ዘይትሓስቡን ዘይተገናዝቡን? ብግዜ ሓጋይ ዋዒ ስለ ዘሎ፡ እቲ መዓልቲ ይምጠጥ
ወይ ድማ ይነውሕ። ብግዜ ክረምቲ ድማ ቁሪ ስለ ዘሎ እቲ መዓልቲ ይጭበጥ ወይ ይኹምተር፡ ማለት ይሓጽር።
……… ተረዲኡኮምዶ?
እወ ክቡር መምህር፡ ተረዲኡና ብምባል፡ እቶም ተመሃሮ ዕግበቶም ይገልጹ።
ብኸምዚ ድማ እቲ መምህር፡ ነቶም ተመሃሮ ዘይርሳዕ ድንቁርና ገዲፉሎም ሓሊፉ፡ ንብለኩም።
ለከመከ ዚብልዎ ከምዚ ምስ ተጓነፈ ኢዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com