Saturday , April 27 2024

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ኣሉታዊ ጥቕምታት ሽጋራ ………..

ሽጋራ ብዝኾነ መምዘኒ ጥቕሚ ዘለዎ ኣይመስልን። ገለ 50 ዓመታት ይገብር፡ ገለ ሰባት ንሽጋራ ከም መድሃኒት ሲኑሳይቲስ (ናይ ኣፍንጫ ውሽጣዊ ሕማም) ገይሮም ይጥቀሙሉ ከም ዝነበሩ ይዝከረኒ። ግን ብምርምር እተረጋገጸ ኣይመስለንን። ዝኾነኾይኑ፡ ክትበልዖ ዝደለኻ ኣባጉንባሕስ፡ ዛግራ ትብሎ እንድዩ ነገራቱ፡ ብዙሓት ሰባት ንሽጋራ ፈውሲ ናይ ከምዚዶ ናይ ከምቲ እናበሉ ይሰትዩዎ ከም ዝነበሩ ናይ ቀረባ ትዝታ ኢዩ።

 

ኣለማዮ ካሕሳይ እተባህለ ኮመድያን ግን፡ ሽጋራ ጎዳኢ ከም ዝኾነ ንምግላጽ፡ ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዘርእዮ ዝነበረ ተዋስኦታት፡ ጥበብ ብዝመልኦ መገዲ (ኣሽሙር) ኢዩ ኣቕሪቡዎ። ንሱ ንሽጋራ ሰለስተ ጥቕምታት ከም ዘለዎ ሓቢሩ ነይሩ፥

 

ሀ. ካብ ሰረቕቲ ይከላኸለልካ

ለ. ከልቢ ኣይነኽሰካን

ሐ. ምስ ብዙሕ ሰብ የላልየካ

 

ሀ. ካብ ሰረቕቲ ይከላኸለልካ። ድሕሪ ነዊሕ ናይ ሽጋራ ምስታይ ወልፊ፡ ሓደገኛ ሰዓል ትሕዘካ እሞ፡ ለይትን መዓልትን ትስዕል። ብፍላይ ለይቲ ክትስዕል ከሎኻ፡ ሰራቒ ከም ዝነቓሕካ ስለ ዘስተብህል፡ ንገዛኻ ኪሰርቃ ኣይደፍርን።

 

ለ. ከልቢ ኣይነኽሰካን። ድሕሪ ነዊሕ ናይ ሽጋራ ምስታይ ዝውተራ፡ ቀልጢፍካ ትኣርግ እሞ በትሪ ወይ ምርኩስ ክትሕዝ ትግደድ። በትሪ ወይ ምርኩስ ሒዝካ ከሎኻ ከልቢ ምስ ዚመጸካ፡ ብኡ ጌርካ ስለ እትወቕዖ፡ ኪነኸሰካ ኣይደፍርን።

 

ሐ. ምስ ሰብ ትላለ። ኣብ ፈቐድኡ መገዲ፡ ሽጋራኻ ወዲእካ ካብ ጁባኻ ካልእ ሽጋራ ምስ እተውጽእ እሞ ክርቢት ምስ እትስእን፡ ንገለ ሰባት ወልዓ ትሓቶም፡ ሽዑ ብኡ ኣቢልካ ዘረባ ትጅምር፡ ግሩም ሌላ ድማ ትፈጥር። 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com