Saturday , April 27 2024

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ፍቕሪ ድሕሪ ኩሉ ኪስራዕ ከሎ ………..

ሓደ ብዕድመ ዝደፍአን ደሓን ዝኾነ ሃብቲ ዝነበሮን ሰብኣይ ንሓንቲ ጓል 18 ዓመት ይምርዓዋ። እታ ጓል፡ ንእሽቶ ጥራይ ዘይኮነትስ ጽብቕቲ’ውን ኢያ ነይራ። ስለዚ ኩሉ ሰብ ይገርሞ፡ ኩሉ ድማ ይቐንኣሉ።

 

”ኣንታ ኣበይ ደኣ ረኺብካያ ነዚኣ እትመስል ጓል፡ ኣጕባዝ ዘይረኸቡዋስ ናባኻ ወዲቓ፡ ሃብትኻ ርእያ ዲያ?” ይሓትት ሓደ ካብ ብጾቱ።

”እንታይ ደኣ፡ ሃብተይ ርእያ ኢያ እምበር” ይምልሽ እቲ ሰብኣይ።

”እሞ ወላ ሃብታም ኩን እምበር፡ ካባኻ ዚህብትሙ መሊኦም እንዲዮም ዘለዉ፡ ከመይ ኢላ ንኣኻ መሪጻ” ይውስኽ እቲ ብጻይ።

”በዚ ኮይኑ በትስ ናባይ ወዲቓ ኣላ” ይምልሽ እቲ ሰብኣይ።

”መቸም ኣነ ዝጥርጥር፡ ዕድመኻ ኣትሒትካ ነጊርካያ ክትከውን ኣሎካ፡ ወዲ ሰማንያ ከሎኻ፡ ወዲ 70 ኢልካያ ኣሎኻ” ይጠራጠር እቲ ብጻይ።

”ኣይፋልን፡ ተጋጊኻ፡ ወሲኸሉ እምበር፡ ወዲ ተስዓ እምበር ኢለያ” ይብል እቲ ሰብኣይ።

”ዋእ፡ ወዲ 90 ኢልካያስ ሕራይ ኢላ?” ይግረም እቲ ብጻይ።

”ዕድመይ 70 እዩ ኢለያ እንተ ዝነብር ኣይምተመርዓወትንን” ይብል እቲ ሰብኣይ።

”ስለምንታይ?!!!!!” ይገርሞ እቲ ብጻይ።

”ገንዘበይ ስለ ዝደለየት፡ ዕድመይ 90 እዩ ምስ በልኩዋ፡ እምበኣር ቀልጢፉ ክሞተለይ እዩ’ሞ ዝወረስኩዎ ገንዘበይ ኣኪበ ካልእ ዝፈትዎ ጎበዝ እምርዖ ኢላ እያ ሓሲባ። ወዲ 70 ዓመት እየ እንተ ዝብላ ነይረ ግን እዝስ ክሳዕ ዝመውት መን ክጽበዮ ኢዩ ብምባል ኣይምተመርዓወትንን ነይራ” ብምባል ምስትውዓል ዝመልኦ ስልቱ ገለጸሉ ይብሃል። ቁጥሚ ንቑጥሚ፡ ግጥሚ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com