Saturday , April 27 2024

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ደፋርን ዘይሓፍርን ቁንጪ ………..

ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ቁመቱ ኣዚዩ ሓጺርን ኣካላቱ ደቂቕን ዝኾነ ፍጥረት (ዕንኩራይ ጻጸ ኢዮም ዚብሉዎ ነይሮም) ምስ ሓደ ብኹሉ መዐቀኒ ዘይመዘንኡ ሰብ ኣብ ግርጭትን ባእስን ኣተወ። ዕንኩራይ ጻጸ ብድፍረቱ ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ።

 

ዝኾነኾይኑ፡ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ቃልሱ፡ ኪዕወት ኣይከኣለን። እቲ መባእስቱ (ዓይኒ ሕንዚዝ ኢዩ ዚብሃል ነይሩ) ሓፍ ኣቢሉ ሰፍሲፉ ኪድርብዮ ምስ ሃቀነ፡ ኩሉ ዚርኢ ዝነበረ ሰብ ”አረ በጃኻ መሓሮ” ብምባል ንዓይኒ ሕንዚዝ ተማሕጸኖ።

 

ዕንኩራይ ጻጸ ግን ኣይዓጠጦን። ገና ተሰፍሲፉ ኪድርበ ቀሪቡ ኣብ ዝነበረሉ ኩነታት፡ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ገጹ ናብቶም ዚልምኑ ሰባት እናጠመተ፥ ”ኣንቱም ሰባት፡ ንመን ደኣኹም ትልምኑዎ ዘሎኹም፡ መን ዲዩ ብላዕሊ ዘሎ” ብምባል ንኹሉ ዘደንጸወ ሓበሬታ ሃበ።

 

ይኹንምበር፡ ዓይኒ ሕንዚዝ፡ ንዕንኩራይ ጻጸ ስለ ዘደንገጸሉ ቀስ ኣቢሉ ኣብ ባይታ ኣንቢሩ፡ ብኣእዳዉ ኣዅሪፉ፡ ብኣኣጋሩ ድማ ረጋጊሑ ገዲፉዎ ከደ።

 

ብድሕር’ዚ እቶም ዚርእዩ ዝነበሩ ሰባት ንዕንኩራይ ጻጸ ”ኣንታ ወዲ፡ እንታይ ኢኻ ኴንካ፡ ዘይዓቕምኻ ምስ ዓይኒ ሕንዚዝ ክትበኣስ፡ እንታይ ገደሰካ፡ ሓይልኻ መዚንካ ዘይትበኣስ” ብምባል ገሰጹዎ።

 

ዕንኩራይ ጻጸ ግን ገና ኣብ ባይታ ተዘርጊሑ እናሃለወ፡ ነዚ’ውን መልሲ ኣይሰኣነሉን፥

”ኣንቱም ሰባት፡ ኣነዶ ሓያል እየ ኢሉኩም’የ………… ኣነኮ መዓንጣ ደኣዩ ዘሎኒ እምበር፡ ሓይሊ ኣሎኒ ዚብል ዘረባ ኣይወጸንን” ብምባል ነቶም ሰማዕቱ ተሰልበጦም ይብሃል።

 

ኣብ መወዳእታ፡ ኩሉ ሰብ ነናብ ዋኒኑ እናኸደ ከሎ፡ ሓደ ንዕንኩራይ ጻጸ ቀደም ዚፈልጦ ብጻይ፡ ወዲቑ ምስ ረኣዮ፥

“እዋይ ኣንታ እዚስ ዕንኩራይ ጻጸ ዲዩ፡ በትኪ፡ እንቋዕ ደኣ ኮነ” ብምባል መገዱ እናቐጸለ ከሎ፡ ዕንኩራይ ጻጸ ሕጂ’ውን እቲ መስደመም ባህርያቱ ኣይገደፎን። ጌና ኣብ ባይታ ተጸጢሑ ኸሎ ኸኣ ነቲ ዘባጨወሉ ብጻይ፥

 

”ንመን’ዩ’ታ!!!!………….ዝባን መንግስቲ ደድሕረይ ክትስዕብ…………. ሓዙለይ ከይትሰዱለይ……” በለ ይብሃል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com