Friday , April 26 2024
ኣልኮምፒስ

“ሓወይ ቅድሚ ሕጂ ተፈሪዱ ኣይፈልጥን እዩ”ሓው ሳልሕ ኣል-ሓዳሪ ዝኾነ ኣሕመድ

ሓው ሳልሕ ኣል-ሓዳሪ ዝኾነ ኣሕመድ ረቡዕ ንግሆ ድሕሪ ዘጋጠመ ቅትለት ሓዉ፥ መራኸቢ ብዙሃን ብዛዕባቲ ጒዳይ ዝሃብኦ ሸፈነን ግብረመልሲ ኣንበብቲን ኣመልኪቱ ምስ ኮምብስ ቃለመጠይቕ ጌሩ።

ኣሕመድ ነዚ ቃለመጠይቕ ክገብር ዝደረኾ እቲ ኣብ ጋዜጣታት ዝተዋህብ ንሓድሕዱ ዝራጸም ጸብጻባትን ርእይቶታት ኣንበብቲን ምዃኑ ገሉጹ’ሎ። “ኣንበብቲ ነዚ ብግፍዒ እተቐትለ ሓወይን ሰቖቓ ስድራቤቱን ምንም ግምት ኣይሃቡን” ይብል ኣሕመድ።

ንባዕላቶም ዳኛታት ሕብረተሰብ ሽወደን ብምግባር ሓላፍነት ዝጐደሎ ርእይቶታት እዮም ሂቦም ብምባል ወቒስዎም። ኣሕመድ መዋቲ ሓዉ ስድራኡ (ብፍላይ ድማ ሰለስተ ደቁ) ንኽኣሊ ኩባንያ መሸጣ ምካይን ምትካሉ፥ እቲ ናይ ታክሲ ስርሑ ግና ብዙሕ ስግኣት ሒዝሉ ከም ዝመጸ፥ አረውን ፈተን ቕትለት ከም እተኻየደሉን ንፍሱ ንኽከላኸል ሽጉጥ ይዓጥቕ ምንባሩን ተዛሪቡ።

ሓወይ ቅድሚ ሕጂ ተፈሪዱ ኣይፈልጥን እዩ፥ ስለምንታይ እየን ጋዜጣታት ሽወደን ከም ሓደ ዕሉል ገበነኛ ጌረን ዝቕርቦኦ ዘለዋ ንዓይ ብሩህ ኣይኮነን። ክሳብ ክንድዚ ሓደገኛ ሰብ እንተኔሩ ፖሊስ ድሮ ቅትለቱ ኣብ ዝነበረ ምሸት ሒዞሞ ዶ ኣይነበሩን፥ ግና ብሰላም እዮም ናብ ቤቱ ለቒቖሞ ድማ ኢሉ።

ሓወይ ብጒጅለ ገበነኛታት እዩ ተቐቲሉ፥ ፖሊስ ሽወደን ነዞም ገበነኛታት ሃዲኑ ናብ ሕጊ ብምቕራብ ዝግብኦም ፍርዲ ክህቦም ምዃኑ እምነት ኣሎኒ ኢሉ። ኤክስፕረስ ዝተባህለት ጋዜጣ እዚ ብ” ኣቡ ኣሌፖ” ዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ሳልሕ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ዕሉላት ገበነኛታት ማምል ምዃኑን ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ብዙሓት ጸላእቲ ከም ዘለዉዎን ዝትርኽ ሰፊሕ ሽፈነን ስእሊን ዝሰነዮ ጸብጻብ ኣቕሪባ ኔራ’ያ።

ሓው ሳልሕ ኣብ መዛዘሚ ዕላሉ ሓዉ ግዳይ ምዃኑ፥ ዝፈልጦ ዘበለ ሰብ ብዛዕባ ሰናይ ምግባሩ ምምስካሩ፥ ፈጸምቲ እዚ እኩይ ተግባር ተታሒዞም ናብ ፍርዲ ምስ ቀረቡ ድማ ቄናንን ሓሶትን ጸብጻብ እዘን ጋዜጣታት ክኽሻሕ ምዃኑን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com