Thursday , May 9 2024

ሓደጋ፡ ሓንቲ መኪና ምስ ባቡር ተጋጭያ

ትማሊ ሰንበት፡ ሰዓት 4፡00 ድ.ቕ.፡ ካብ ቪየዳቮግ (Vedevåg)፡ምምሕዳር ሊንድስበይ (Lindesburgs)፡ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዘሎ ኣከባቢ ሓንቲ መኪና ምስ ናይ መጓዓዝያ ባቡር ተጋጭያ።

እታ መኪና በቲ ኣብ ጫካ ዝርከብ ብጃያ ዝተሰርሐ ጽርግያ ትጓዓዝ ከምዝነበረትን፡ ድሕሪ ምስ ባቡር ምግጫዋ ድማ ኣብ ጉድጓድ (ካናለ) ከምዝኣተወት ተረኛ ፖሊስ ከባቢ ባሪስሎጋን ዝኾነ ፒተር ፐርሶን ገሊጹ። ኣብታ መኪና ክልተ ሰባት ከምዝነበሩን ናብ ሆስፒታል ኣብ ዝተወስድሉ እዋን ድማ ሃለዋቶም ዝፈልጡን እናተዛረቡን ምንባሮም ብምውሳኽ ገሊጹ።

ሓደጋ ዝተፈጸመሉ ቦታ ብፖሊስ ተኸሊሉ ከም ዝነበረ ድማ ተፈሊጡ።

ካብ ፍሮቪ (Frövi) ክሳብ ሊንድስቤይ ዘሎ ናይ ባቡር ምንቅስቓስ ከምተጸልወን ነቶም ኣብ ባቡር ዝነበሩ 23 ተሳፈርቲ ንኽወስዳ ድማ ኣውቶቡሳት ከምዝመጻ ወሃቢት ቃል ኩባንያ SJ ክርስቲና ሳሪስ ገሊጻ። ኣብ ባቡር ካብ ዝነበሩ ሰባት ዝተጎድአ ከምዘየለ ብምውሳኽ ገሊጻ።

ኩባንያ SJ ከምዝሕብሮ፡ ኣውቶቡሳት ነቲ ጉዕዞ ክትከኣ እየን ይብል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com