Saturday , April 27 2024

ሓደጋ ምጽናት ዘንጸላለዎም እንስሳ ዘገዳም ንምድሓን ዝዓለመ ፕሮጀክት ምወላ ይረክብ

Credit: Ola Jennersten/WWF, Stanislav Snäll/WWF and Andrew Parkinsson/WWF.

ኣብ ሽወደን ሓርገጽ ኣርክቲክን ዕንቅርቢትን ኣብ ሓደጋ ምጽናት ዝርከቡ ዝርከቡ ዓሌታት ምዃኖም ተለልዮም። እዚ ፕሮአክት ምክንኻን ኣብ ምጽናት ዝርከቡ ዓሌታት እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ቁጽሮም ንምቕልባስ ግልባጥ ክሕግዝ እዩ ዝብል ተስፋ ተነቢርሉ’ሎ። ማዕከን እንስሳ ዘገዳም ሽወደንን ሃገራት ኖርዲክን ነቲ ንኣርባዕተ ዓመት ዝጸንሕ ፕሮጀክቶም ንምስሳን ምወላ ረኺቦም ኣለዉ። “ነዞም ፍጥረታት እዚ ሓገዝ ክንገብር ዘኽእለና ዓቕሚ ምርካብና ናይ ኲልሳዕ ሕልምና ዘግህድ እዩ” ክትብል ሽወደናዊት ክኢላ ዕቃበ እንስሳታት ቴሬዛ ዋትዝ ንሬድዮ ሽወደን ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com