Friday , April 26 2024
Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

ሓደ ሕሙም ኣብ ግዜ መርመራ ብምውዳቑ፡ ብኡ ንብኡ ሞይቱ

ሓደ ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት ዝነበረ ሕሙም፡ ካብ ናይ መርመራ ሰደቓ ድሕሪ ምውዳቑ ከቢድ መጉዳእቲ ስለ ዝወረዶ፡ ቁሩብ ጸኒሑ ከምዝሞተ ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡

ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ሆስፒታል ሶድራ ኤልቭቦሪ፡ ብዛዕባ’ቲ ሓደጋ ናብ መርማሪ ጥዕናን ትካል ምቁጽጻር ማሕበራዊ ክንክንን (IVO) ጸብጻቡ ኣመሓላሊፉ ይርከብ፡፡

እቲ ሕሙም፡ ኣቐዲሙ ኣብ መሕደሪኡ ወዲቑ ገዛእ-ርእሱ ድሕሪ ሙቕሳሉ ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት ከም ዝመጸን ናይ ራጂ ወይ ኤክስረይ መርመራ እናተገብረሉ እንከሎ ውን ካብ ናይ መርመራ ሰደቓ ብምውዳቑ እቲ ዝወረዶ ሞግዳእቲ ኣዚዩ ከቢድ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ዝተላእከ ጸብጻብ፡ ኣብ መስርሕ ናይቲ ክፍሊ፡ ዝኾነ ዓይነት ከጋጥም ንዝኽእል ናይ ስርዓተ-ኣገባብ ( system) ጌጋታት ንምርካብ ከም ዝግበር እቲ ሆስፒታል ኣብ ሓደ ጋዜጣዊ መግለጺ ጽሒፉ `ሎ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com