Thursday , May 9 2024

ሓደ ሰብኣይ ብመንከስቲ ቱዃን ምልማሱ ተገሊጹ

ዝሓለፈ ክረምቲ፡ ኣብ ኽወቦ ዝተባህለ ቦት ድሕሪ ዝተገብረ ዑደት፡ ዮሃን ጆንሶን፡ ኣብ ከባቢ ክሳዱ ስምብራት መንከስቲ ቱዃን ምርካቡን ድሕሪ ሒደት መዓልታት ሰዓል መሳሊ ሕማም ከም እተታሕዘን ይገልጽ። እንተኾነ ግና ሓካይም ድሕሪ ዝገበሪሉ መርመራ፡ ረኽሲ ሓንጎል (TBE) ከም ዘለዎ ሓቢሮሞ። ሕማሙ እናበኣሰ ከይዱ ኣብ ጽድያ ናብ ምልማስ ከም ዘብጽሖም ተገሊጹ።  

ጆሃን ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ዙረት እንሃለወ እዩ መላእ ኣካላት ከልቡ ብቱኻን ከም እተነኽሰ ዝተዓዘበ። ብድሕሪ’ዚ ምሉእ ምሸት ካብ ኣካላት ከልቡ ትዃን ክኣሊ ድሕሪ ምምሳይ ከይተፈለጦ ሓደ ካብቶም ቱዃን ናብ ኣካላቱ ደይቡ ክኸውን ከምዝኽእል ዝጠርጠረ።

ብትዃን ዝሰጋገር ቫይረስ፡ ኣብ መትንታት ሓንጎል ናይ ዮሃን ድሕሪ ምጥቅዑ ግዳይ ረኽሲ ሓንጎል ከምዝኸውን ገይርዎ።  

ድሕሪ’ዚ ብዘጋጠሞ መንከስቲ ቱዃንን መልመስቲን ኣብ ሓንጎሉ ክልተ ግዜ መጥባሕቲ ምግባሩ ተፈሊጡ። እዚ ድማ ሓያል ዝኾነ ናይ መትንታት ምውጥጣር (ስትራፖ) ብምፍጣሩ ከም ሳዕቤኑ ኣብ መፋስል ጎሎ መስበርቲ ከም ዘጋጠሞ ተፈሊጡ። እዚ ድማ ናይ ስነልቦና ሽግር ከም ዘኸተለሉ ድማ ተገሊጹ።

ዛጊት ድሕሪ ሓደ ዓመት ናይ መንከስቲ፡ ጆሃን፡ ናብ ንቡር ክምለስ ይጋደል ምህላዉን እንተኾነ ግን ቃንዛ ናይ መፋስል ጎሎ ከምዘለዎን መልመስትን ምውጥጣር መትንታትን ግን ይመሓየሽ ምህላዉ ሓቢሩ። ኮፍ ኢለ እንከለኹ ምሉእ ሰብ እየ ዝመስል፡ ክንቀሳቐስ ምስ ዝጅምር ግን ድኽመተይ ይጎልሕ ክብል ንብዓት ቊጽርጽር እናበለ ንተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሓቢሩ።

ኣብ’ዚ ክረምቲ፡ ብትዃን ካብ ክመሓላለፉ ዝኽእሉ ሓደጋታት ሕማም ረኽሲ ሓንጎልን ሕማም ቦርየላን፡ ክንጥቀቕ ከምዘለና ሽወደናዊ ክኢላ ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com