Friday , April 26 2024
An Italian vaccine center in Rome (Mauro Scrobogna/ La Presse via AP) ROM803

ሓደ ሰብ፡ ብዝተሰነዐ ኢድ ተጠቂሙ፡ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት ንምርካብ ፈቲኑ

ናይ ኮቪድ ፓስፖርት ክረክብ፡ ድልየት ናይቲ ሰብ’ኳ እንተነበረ፡ ንክኽተብ ግን ቅሩብ ከምዘይኮነ ይገልጽ። ስለዚ፡ ዝነበሮ ናይ ፍታሕ ኣማራጺ፡ ብስሊኮን ዝተመስረሐ ኢድ ተጠቂሙ፡ ክኽተብ ፈቲኑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ብስሊኮን ዝተመስረሐ ኢድ፡ ልክዕ ከም ናይ ቆርበት ድምጺ ከምዘለዎ እዩ ዝግለጽ፡፡ እንተኾነ ግን ነቶም ክታበት ዝህቡ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ከታልሎም ኣይከኣለን፡፡ እቶም ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኢጣልያ ኣብ እትርከብ ከተማ ቤላ ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ኣብቲ ኣከባቢ ንዝርከብ መደበር ፖሊስ ጸብጻቦም ከምዘመሓላለፉን፡ እቲ ጉዳይ ድማ፡ ኣህጉራዊ ኣቓልቦ ስሒቡ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ብዛዕባ ሓደ ረዚን ክብደት ዘለዎ ተግባር ኮይኑ ስለዝተረኽበ ኢና ንዛረበሉ ዘለና እምበር፡ እቲ ጉዳይ ላግጺ ክመስል ምኸኣለ ኔሩ፡ ክብል ፕረዚደንት ዞባዊ መንግስቲ፡ ኣልበርት ሲሪዮ፡ ኣብ ፈይስቡክ ተዛሪቡ፡፡

እታ ሃገር ንዘሕለፈቶ ናይ ለበዳ ስቓይ ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ፥ ነቲ ተግባር “ዘይቅቡል“ ክብል ኮኒኑዎ፡፡

ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ፡ እቲ ኣብ ኢጣልያ ዘሎ ሕግታት፡ ነቶም ኣንጻር ኮቪድ-19 ዘይተኸትቡ ሰባት ዝኸረረ ክኸውን እዩ፡፡ እቶም ዘይተኸትቡ፡ ኣብ ውሽጢ ኣብያተ መግቢ ኣትዮም ንከይምገቡ፡ ኣብ ኣብያተ መዘክር፡ ሲነማታት፡ ትያትራት ከመኡ ውን ስፖርታዊ ውድድራት ንከይሳተፉ ክእገዱ እዮም፡፡

ኣብ መጀመርታ ናይቲ ለበዳ፡ ኢጣልያ፡ ማእከል ዝርጋሐ ናይቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝተራእየ ኮሮና-ቫይረስ ምንባራ ይዝከር፡፡ ይኹን ምበር፡ መጠን ዝርገሐ ክታበት፡ 85% ብምዃኑ፡ ሎሚ ዘሎ ኩነታት ካብ ናይ ብዙሓት ጎረባብቲ ሃገራት ዝሓሸ ምዃኑ ይንገር፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com