Friday , April 26 2024

ሓድሽ ዓመት ኣብ ትሕቲ ትርር ዝበለ ሕጊ ርችት ክጽንበል እዩ ።

ሽወደን ኣብ ትሕቲ ትርር ዝበለ ሕጊ ርችት ሓድሽ ዓመት ንምብዓል ትዳሎ ምህላዋ ተገሊጹ።

እዚ ካብ ሰነ 2019 ንደሓር ከም ዝተኣታተወ ምዃኑ ዝንገረሉ ትርር ዝበለ ሕጊ ርችት ንምትኳስ ግድነት ልምድን ስልጠናን ዝሓትት ኰይኑ ኣብቲ ኣብ ዲሰምበር 31 ኲልሳዕ ዝግበር ምትኳስ ርችት እዚ ዘየማልእ እሞ ኣብዚ ተግባር ንዝዋፈር ሰብ ተሓታቲ ዝገብር እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ዕላማ እዚ ሕጊ ብግጒይ ኣገባብ ርችት ምትኳስ ከስዕቦ ንዝኽእል ጒድኣታት ንምንካይ እዩ ድማ ተባሂሉ።

ተቐማጦ ስቶክሆልም ነዚ ሕጊ ብኣወንታ ከም ዝርእይዎ ሬድዮ ሽወደን ዘዘራረበቶም ሰባት ክገልጹ እንከለዉ እዚ ሕጊ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ኣብ ተግባር የውዕልዎ ኣብ ዝብል ግን ጥርጣረታት ከም ዘለዎም ምግላጾም እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com