Monday , April 29 2024

ሕጽረት መዐገሲ መድሃኒታት ኣብ ዝሰፍሐ ግዜ ዓመተ 2024 ክቕጽል እዩ

Credit: Tore Meek/NTB

ሕጽረት ኣብ ስሩዕ ሕክምናን መጥባሕትን ዘገልግሉ ከባብያዊ መደንዘዚታት ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ብዙሓት ክሊኒካት ክንክን ጥዕናን መጥባሕቲ ስኒን ጸገማት የስዕብ ኣሎ። ሕጽረት ሓደ ካብቶም ዝበዝሑ ዓይነታት መዐገሲ ቃንዛ ውሽጢ ዓዲ፡ ሲታነስት ዝበሃል፡ ንዝበዝሐ ክፋል ዓመተ 2024 ክቕጽል ትጽቢት ከምዝግበር ኤጀንሲ ፍርያት ሕክምና ሽወደን ሓቢሩ። ከምኡ’ውን ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን፡ ነርስታት ጽሑፋዊ ሓበሬታ እቶም ካብ ካልእ ከባቢታት ኤውሮጳ ዝኣትዉ መደንዘዚ መድሃኒትታት ማለት ብቛንቛታት ፈረንሳ ወይ ጥልያን ዝተጻሕፍ ንምርዳእ ይሽገሩ ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com