Friday , April 26 2024

መሓዙተይ!

ሓቀኛ ዛንታ

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

ካልኣይን መወዳእታን ክፋም

“ከምዚ ከዕልለካ ዝጸናሕኩ እዩ። ክሳብ ሳልሳይ ዓመት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት’የ ነይረ፡ ዳሕራይ ግን ኣንፈተይ ጠፊኡ፣ ኩሉ ተሓዋዊሱኒ…” ናብ ድሕሪት ተመሊሳ ብትካዘ ኣዕለበጠት።

“እንታይ ዝበለ ዕንቅፋት ድዩ ኣጋጢሙኪ?”

ንኣስታት ክልተ ሰዓት ልባ ኣውዲቓ፡ ብርግኣት ከተዕልለኒ ከም ዘይጸንሐት ሃንደበት ኣብ ዓሚቕ ምስቁርቋር ምእታዋ፡ እቲ ንኹሉ ዝጸውር ሞራላ ተተንኪፉ ከይከውን ሰጋእኩ።

“ኣብ ካልኣይ ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ ምስ ዝተፈላለያ መዛኖይ ምሕዝነት ጀሚረ። እዚ ክብለካ ከለኹ ቅድሚ ሕጂ ዳርጋ ምስ መዛኖይ ምቕራብ ንጥፍቲ ኣይነበርኩን። ምስ ግዜ ግና በይንካ ከም ዘይትጓዓዝ ኣሚነ፡ መሓዙት ክሕዝ ጀሚረ። እቲ ጸገም ድማ ካብ’ዚ እዩ ዝጅምር…” ብላዕለዋይ ከንፈራ ንታሕተዋይ እናነኸሰት ድሒሩ ዝሰዓበ ኲነታታ ከተውሕዘለይ ጀመረት።

“ምስ’ዘን መሓዙተይ ሌላና ኣጋጣሚታት ዝፈጠሮ’ኳ እንተኾነ፡ ክሳብ ናይ ሳልሳይ ዓመት ተማሃሮ ኮይንና እንሰግር፡ ደስ ዝብል ፍቕሪ ኢና መስሪትና። ምስኣተን ምቕራበይ፡ ኣብ ህይወት ብዙሕ ክፈልጥ ሓጊዙኒ’ዩ። ግና ክልተ ገጻት’ዩ ነይሩዎ። እቲ ሓደ ጽቡቕ እቲ ሓደ ከኣ ሕማቕ።”

“እቲ ጽቡቕ ጐድኑ፡ ኣነ ብዙሕ ምስ ሰብ ይቐርብ ስለዘይነበርኩ፡ ሕማቕን ጽቡቕን ናይ’ቲ ንሳተን ዝሓለፋኦ ዕድመ ንእስነት ብቐሊሉ ክፈልጥ ኣኽኢሉኒ። ዳርጋ ኩለን፡ ማለት ኣርባዕተ መሓዙት ኢና ነይርና – ሓሙሸይተን ኣነ ይኸውን ኣለኹ፣ ፍቕሪ ዝፈተና፡ ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተራኸባ፡ ኣብ ከተማ ወጺአን ዝተዛወራ… ወዘተ ብምዃነን፡ ካብ ዕላለን ብዙሕ ክፈልጥ ኣኽኢሉኒ’ዩ። ሓደ ሰብ ካብ ኣብ ትምህርቲ ኣትዩ ዝማሃሮ፡ ካብ ከባቢኡ ዝፈልጦ ይበዝሕ ዝብል እምነት’ዩ ዘለኒ። በዚ ምኽንያት’የ ድማ ጽቡቕ ተማሂረ ዝብለካ ዘለኹ” ብመልሳ ዕግበት ተሰሚዑኒ ድዩ ኣይተሰምዓንን ንኽትፈልጥ እመስለኒ፡ ዕላላ ኣቋሪጻ ዓይኒ ዓይነይ ጠመተትኒ። 

“እቲ ሕማቕ ነገሩኸ?” ዘንጊዓ ከይትኸውን እናተሰከፍኩ ተወከስኩዋ።

“ንሱ እንድዩ ደኣ ቀንዲ መራኸቢና! ክገርመካ፡ ብዘይካ ኣነ ኩለን ኣዕሩኽ – ማለተይ ኣፍቀርቲ ነይሮመን እዮም። ኣነ በይነይ እየ። እቲ ‘ዓርኪ ዘይትሕዚ’ ዝብል ተደጋጋሚ ዘረባ ንርእሱ ድማ፡ ናብ ነብሰ-ምትሓት ከም ዘምርሕ ገይሩኒ። ኣብ ኣእምሮይ ዘይነበረ ጸቕጢ መዛኑ እናተመላለሰ ከሸግረኒ ጀሚሩ። በቃ ስቕ ኢለ እጭነቕ። ኩለን ብዛዕባ ኣፍቀርተን ክዛረባ ምስ ዝጅምራ፡ ኣነ’ውን ድሮ ዕላማይ ዘንጊዐ ብዛዕብኡ ጥራይ ክሓስብ እውዕል። ኣብ መወዳእታ፡ ብጽልዋ መዛኖይ ተደፋፊአ ክፍትኖ ወሲነ፡ ግና ኣብ ቀዳማይ ፈተነይ ሕማቕ ረኺቡኒ።” ንፈለማ እዋን ሕንቕንቕ በለት። ብትብዓት ክትጸውየኒ ከም ዘይጸንሐት፡ ሃንደበት ምኽኣል ምስኣና፡ ንዓይ’ውን ድንግርግር ኢሉኒ።

“እዚ ኹሉ ተረጋጊእኪ ከተዕልልኒ ከም ዘይጸናሕኪ?” ትርር ኢለ ክገንሓ ፈተንኩ።

“ኩሉ ነገር እንድዩ ገሪሙኒ…” በታ ተኸዲናታ ዝነበረት ኣደሬ፡ ነተን ድርቕ ኢለን ጸረር ዝበላ ንብዓታ ሓንሰሰተን።

“ምስ ሓደ ብተደጋጋሚ ትምህርቲ ዘቋርጽን ዝቕጽልን ዝነበረ ዳዊት ስሙ ውዲ ይላለየልካ። እዚ ወዲ ምልኩዕ መንእሰይ ኮይኑ ክኢላ ፍቕሪ’ውን እዩ። ምስ’ተን መሓዙተይ ብተደጋጋሚ ይቐርብ ብምንባሩ፡ ዕላሉ ትሕትናኡ… ኮታ ኩሉ ነገሩ’ዩ ወቓሕ ዝብለኒ ዝነበረ። ንፍቕሪ ምስ ሓተተኒ እምበኣር ብዘይ ነግ ፈረግ’የ ተቐቢለዮ። እቲ ጠንቂ ኣብ ሕጂ ኮይነ ክርእዮ ከለኹ፣ እቲ ውዲ ፍቱው ስለዝነበረ፡ ‘እንቢ’ እንተደኣ ኢለዮ፡ ካልኦት ከይወስዳኦ ዝብል ሕማቕ ኣተሓሳስባ ስለ ዘሕደርኩ’የ። ከም’ዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣብ ካልኦት ኣሕዋተይ ከይሰርጽ’የ ድማ ዛንታ ሕማቓት ዘዕልለካ ዘለኹ…።” ኩሉ ሕርቃና ኣብ ውሽጣ ገይራ፡ ልባ መሊኣ ከተብርሃለይ ኣይተጸገመትን።

“ቀጽሊ በሊ?” ምስ ሞራላ እንከላ ከቕጽላ ደለኹ።

“ምስ ዳዊት ብፍቕሪ ንሽድሽተ ወርሒ ምስ ተጓዓዝና፡ ዳርጋ ምርኽቲ ናይ’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዘይፈልጦ ፍቕሪ’የ ኮይነ። ኣብ ትምህርቲ በብቚሩብ ክሓምቕ ጀሚረ። መዛኖይ ሓይሊ ፍቕሪ ይብርትዓኒ ኣሎ ክብለን ምስ ጀመርኩ፡ ‘ከምኡ’ዩ ዝገብር’ ጥራይ ኮይኑ እቲ መልሲ። ጣዕሚ ፍቕሪ እምበር ጉድኣቱ ከብርሃለይ ተጸገማ። ኣብ ትምህርቲ ብርኡይ ሓሚቐ። ካብ ዓዘቕቲ ዘውጽኣኒ ሰብ ስኢነ። ኣብ መወዳእታ ድማ …” ብውሽጣ እናተጋማድሐ ከሸግራ ዝውዕለ ረባሺ ኲነታት ምጻሩ ስኢና፡ ልክዕ ከም ኣደኡ ዝሰኣነ ህጻን ኣልቀሰት።  ክእብዳ ፈተንኩ።

“ረቢሸካ ምሽ!” ኣዒንታ ኣጨምቲላ እናጠመተትኒ። ብውሽጠይ ደንገጽኩላ። መልእኽተይ ግዲ ካብ ገጸይ ኣንቢባቶ ድማ፡ ሕቶ ከይተጸበየት ዛንታኣ ቀጸለት።

“ፍቕሪ ጥራይ ኰይኑ ዘረባይ። ኣብ መወዳእታ ብድፍኢት ንፈለማ እዋን ስጋዊ ርክብ ፈጺመ – ዕድል ድማ ኣ..ኣ…ይ… ኣይ…” ዕድል ኣይገበርኩን ንምባል’ዩ ነይሩ። ግዳ ምዝራብ ስኢና ተለኺታ ትም በለት።

“ኣጆኺ’ባ!” ሞራላ ከበርኽ ፈተንኩ።

“ነ… ነ… ነቶም ትምህርተይ ክውድእ ሃንቀው ዝብሉ ዝነብሩ ስድራይ ውላድ ሒዘሎም ከይደ። ጠኒሰ… ዳዊት ከኣ ናብ ካልእ ኣሻርዩ። ዕላማይ በታቲኹ ህልም ኢሉ። ኣነ ድማ ናብ’ቶም ኩሉ ዝጾሩ ስድራይ ከይደ። ናይ ትምህርተይ ባህጊ ተዘሪጉ… ኣብ’ቲ ክበጽሖ ዝሓስብ ዝነበርኩ ከይበጻሕኩ ፋሕ ኢሉኒ። ብሰንኪ መዛኖይ… እዚ’ዩ ዛንታይ እንታይ ንገብር፡ ኣበይ ንዓልብ፡ ዘይምፍላጥ… መዛኑና ብኸመይ ይጸልዉና ከነገናዝብ ይግባእ…።” ዕላላ ዛዚማ ስቕ በለት።

“ትምህርትኺኸ?”

“ክገርመካ፡ ዓይኒ ዓይኒ ስድራይ እናረኣኹ ዝበነነ ተስፋኦም ድቃስ ስለ ዝኸልኣኒ፣ ሞራል ገይረ ትምህርተይ ጀሚረ ኣለኹ። ስድራይ ድማ ንዓይ ኣዕብዮም ንጓለይ ኣብ ምዕባይ ይሕግዙኒ ኣለዉ። ህይወት ትምህርቲ ኮይናትኒ…” ትብዕ ኢላ ብምዝራብ ዘይንቕነቕ ተስፍኣ ኣርኣየትኒ።

                   ***


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com