Friday , May 10 2024

መምርሒታት ጥዕና ዝጠሓሳ ቤት ምግብን መስተን ክዕጸዋ ምዃነን ተሓ።

ንለበዳ ቫይረስ ኮኖና ንምቁጽጻር ዝምልከቱ ብኣገልግሎት ጥዕና ዝወጹ መምርሒታት ዝጠሓሳ ቤት ምግብታትን ሆቴላትን ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ክውሰደለን ምዃኑ ሓላፊት ማሕበር ቤት ምግብታትን ሆቴላትን ዝኾነት ሞሊን ኣኮልት ኣጠንቂቓ። ገለ ቤት ምግብታት ነቲ ብኣገልግሎት ጥዕና ዝተዋህበ ጣውላታት ኣረሓሒቕካ ኣገልግሎት ምሃብ ዝብል መምርሒ ብምጥሓስ ይሰርሓ ከምዘለዋ ሬድዩ ኢኮት ሎሚ ሓቢሩ። ዝተዋህበ መምርሒታት ብምጥሓስ ንዓማዊል ናብ ሓደጋ ዘውድቕ ኣገባብ ኣገልግሎት ምሃብ ቅቡል ከምዘይኮነ ኣድላይ እንተኾይኑ ድማ ማሕበርና ኣብ ልዕሊ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ዝኸዳ ትካላት እቲ ዘድሊ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ፡ ኣኮልት ንሬድዮ ኢኮት ሓቢራ።

ንዓማዊል ሓደጋ ብዝፈጥር መንገዲ ኣገልግሎት ክወሃብ ከምዘይግባእን፡ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ምስ ኣባላት’ቲ ማሕበር ርክብ ይቕጽል ከምዘሎን ኣኮልት ብተወሳኺ ገሊጻ። ወነንቲ ቤት ምግብታትን ሆቴላትን ዝተዋህቦም መምርሒታት ንኽኽተሉን ንሰራሕተኛታት ድማ ውሑስ ዝኾነ ናይ ስራሕ ሃዋሁ ንኸዳልውሎም ትምኒታ ገሊጻ። ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ነቲ ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከባ ቤት ምግብታት ዝፍጽመኦ ዘለዋ ጥሕሰት መምርሒታት ኣገልግሎት ጥዕና ንምቅላዕ ስእልታት ከምዝዘርጋሓ ይፍለጥ። ማሕበር ቤት ምግብታትን ሆቴላትን ኣብ ሽወደን ካብተን ዓቢ ጽልዋ ዘለወን ማሕበራት ኮይና ብጉዳይ ኣባላታ ትካታዕን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ማሕበር ዝኾና ትካላት ድማ ዓቢ ጸቕጢ ክገብር ዝኽእል ማሕበር ምዃኑ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com