Wednesday , May 8 2024

መምርሒ ምትእኽኻብ 50 ሰባት ንዝበሃል ፖሊስ ሽወደን ተወሳኺ መብርሂ ሂብሉ።

መንግስቲ ሽወደን ኣቐዲሙ ንብዝሒ ህዝባዊ ምትእኽኻባት ኣመልኪቱ ልዕሊ 50 ሰባት ንኸይእከቡ ዝኽልክል መምርሒ ኣመሓላሊፉ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ፖሊስ ሽወደን ነዚ መምርሒ ኣብ ምትግባሩ ክቛጻጸር ምሉእ ሓላፍነት ብመንግስት ተዋሂብዎ ኣሎ። ዝኾነ ህዝባዊ ምትእኽኻብን ፍሉያት ማሕበራዊ ኣጋጣሚታትን ፋሕ ከብልን ናይ ደው ምባሉ (ምቁራጹ) መሰል ከምዘለዎ ተፈሊጡ ይርከብ። ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ፖሊስ ሽወደን ነዞም ዝስዕቡ መብርሂታት ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ህዝባዊ ምትእኽኻባት ዝበሃሉ፣

• ብዛዕባ ውልቃዊ ወይ ድማ ማሕበራዊ ጉዳያት ንሰለማዊ ሰልፊ ምትእኽኻብ

• ምስ ሕብረተ ሰብ ተራኺብካ ዝካየዱ ኣስተምህሮታት • ሃይማኖታውያን ጥቕስታት ንምትግባር ዝግበሩ ምትእኽኻባት

• ሙዚቃን ትያትርን ንምርኣይ ዝግበሩ ምትእኽኻባት

• ቅድሚ ሕጂ ነጻ ናይ ምትእኽኻብ መሰል ዝነበረን ንጥፈታት ዘጠቓልሉ እዮም ፍሉይ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት ዝበሃሉ

• ውድድራትን ስፖርታውን ነፈርቲ ናይ ምብራር ምርኢታትን

• ናይ ሳዕስዒት ጽምብላት • ናይ መዘናግዒ ጽምብላት

• ናይ ንግዲ ምርኢታት (ሲምፖዝየም)

• ካልኦት ከም ናይ ሰርከስ ምርኢታት ዘጠቓልል እዮም ዝርዝር ናይቶም ኣብቲ መምርሒ (ሕጊ) እትዋት ዘይኮኑ ንጥፈታት

• ውልቃዊ ኣጋጣሚታት (በዓላት)

• ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ዝፍጠር ምትእኽኻብ • ኣብ ናይ ዕድጊ (ዱካናት) ዝግበር ምትእኽኻባት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com