Friday , April 26 2024
Adam Wrafter/SvD/TT

መስመር ቴለፎን በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ተጨውዩ።

ናይ ኢንተርነት ሌያቡ ናብ ስርዓተ መራኸቢ በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን ሴሮም ምእታዎም ተገሊጹ።

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ብዘይተፈልጡ ሌያቡ ድሕሪ ምኽፋቱ እቲ ትካል ምስ ማእከላይ መደብር ምርኻብ ኣጸጋሚ ኮይንዎ ምህላዉ ተገሊጹ።

ብመሰረት መራኸቢ ብዙሓን ሽወደን ናብቲ ትካል ምስ እትድውል” ኣብ ክንዲ’ቲ ንቡር ወግዓዊ መልሲ “ኢንዓል (መርገም ምኻኑ እዩ) ኢሚግሬሽን ሽወደን” ዝብል ድምጺ እዩ ዝቕበለካ።

“ስለምንታይ እዚ ነገር ኮይኑ ክፈልጡ ብዙሓት ናይ ፕረስ ሰባት ይሓቱና’ለዉ” ትብል ኮሚሽነር ኢሚግሬሽን Lynn Nislun።

እቲ ትካል ብርግጽ እንታይ ተፈጺሙ ንምፍላጥ መርመራ የካይድ ምህላዉ”ውን ሓቢራ።

” ኣብዚ እዋን ኣብ መራኸቢ ስልኪ ተክኒካዊ ጸገማት ኣጓኒፉና’ሎ፥ እዚ ማለት ምስ ማእከላይ መደበር ምርኻብ ንኽእል የለናን።

ነዚ ሽግር ክንፈትሖ ንቃለስ ኣሎና። ብዝተፈጥረ ምትእጒጓል ኣዚና ንሓዝን” ኢላ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com