Monday , April 29 2024
Foto: Håkon Mosvold Larsen / NTB

መንገዲ ኣየራት ሉፍታንዛን ስዊዝን ናብ ኪዬቭ ዝገብራኦ በረራ ደው ኣቢለን።

መንገዲ ኣየራት ሉፍታንዛን ስዊን ካብ ትማል ሰኑይ ኣትሒዘን ናብ ርእሰ ከተማ ዩክሬይን ኪዬቭ ዝገብራኦ በረራ ደው ምባለን ቢቢሲ ገሊጻ። እዚ ዝገበራሉ ምኽንያት ዝኢፍ ምኽታት ሰራዊት ሩስያ ኣብታ ሃገር ተከሲቱ ብዘሎ ጸጥታዊ ቅልውላው ምዃኑ እተን መንገዲ ኣየር በብወገነን ኣብ ዘውጽኦኦ መግለጺ ሓቢረን ኣለዋ።

ጀርመናዊ መንገዲ ኣየር ብዘይካዚ ናብታ ኣብ ጸሊም ባሕሪ እትርከብ ኣገዳሲት ከተማ ኦዴሳ ዝገብሮ በረራ እውን ደው ከብሎ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ።

“ጸጥታን ውሕስነትን ዓማዊልና ናይ ቀዳምነት ቀዳምነትና እዩ” ክብል ሉፍታንሳ ገሊጹ’ሎ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com