Wednesday , May 8 2024

መንገዲ ኣየርንኖርወጅያን፡ ኣብ ውሽጢ ሽወደን ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት የቋርጽ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ሽወደን እተካይዶም ዝነበረት በረራታት ንዝቕጽል ወርሒ ሚያዝያ ከምዘቋረጸቶ መንገዲ ኣየር ኖርወጂያን ሓቢራ። ብሰንኪ ምልባዕ ቫይረስ ክሮና ኣብ መላእ ዓለም ተኣዊጁ ዘሎ ናይ በረራታት እገዳን ዋሕዲ ተሳፈርትን እቶም ቀንዲ ጠንቅታት ናይዚ ውሳነ ምዃኖም ክትብል ሓላፊት ክፍሊ መራኸቢታት’ታ ኩባንያ፡ ሻርሎት ያኮብሰን፡ ንማዕከን ዜና ሽወደን TT ሓቢራ። መስመራት መንገዲ ኣየር ኖርወጂያን ካብ ስቶክሆልም ናብ ሉልዮ፡ ኦምዮ፡ ኬሮና፡ ኡስተርሾንድን ዮቶቦሪን ምንባሩ ይፍለጥ።

መንገዲ ኣየር ኖርወጂያን ምስ ኩሎም በዚ ውሳነ ዝተጸልዉ ዓማዊላ ክትራኸብ ምዃናን ኣብ ወርሒ ግንቦት ድማ ስራሓ ንኽትጅምር ተስፋ ከምዘለዋ ያኮብሰን ብተወሳኺ ሓቢራ። መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ (ሳስ) ግን ክሳብ ሎሚ ዝኾነ ኣብ ውሽጢ ሽወደን ተካይዶ ናይ በረራ መደባት ከምዘየቋረጸት ይፍለጥ። ካብቲ ዝነበረና ምንቅስቓሳት ብዙሕ ኣጉዲልና’ኳ እንተሃለና ክሳብ መጨረሽታ ወላ ብውሑድ ዓቕሚ ናብ ኩሉ ሸነኻት ክንሰርሕ ኢና ክትብል ሓላፊት ዴስክ ሓበሬታ ኩባንያ ሳስ፡ ፊርያ ኣናማቲዝ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com