Friday , May 10 2024

መንግስቲን ሰልፊ ደሞክራትናን “ባህላዊ ቀኖና” ሽወደን ንምፍጣር ይጽዕሩ

Credit: Henrik Montgomery

መንግስቲን ሰልፊ ደሞክራትናን ኣገዳሲ ክፋል ባህሊ ወይ ድማ ብሓፈሻ ን ህዝቢ ሽወደን ይውክል እዩ ዝበሃል “ባህላዊ ቀኖና ሽወደን” ንምፍጣር ዝካየድዎ ዘሎ ስራሕ ኣብዚ ሰሙን ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ሰጊሩ’ሎ። ኣባል ሰልፊ ሞደራትናን ሚኒስተር ባህሊን ፓሪሳ ሊልጀስትራንድ፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቶም ኣብ ባህላዊ ቀኖና ክኣትዉ ዝግበኦም ስርሓት ንምምራጽ ንዝተመዘዘት ክኢላታት ዝሓቖፈት ኮሚተ ዝተዋህበ መምርሒታት ኣቕሪባ። እዚ ቀኖና፥ ሕብረተሰብ ሽወደን ብኸመይ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ ብዝበለጸ ንምርዳእ ክሕግዝ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዋ ሊጀስትራንድ ገሊጻ’ላ። ኣብዚ ቀኖና ኣገደስቲ ባህላዊ ስርሓት ሽወደን ኣብ ምምራጽ ተዋፊሩ ዘሎ ላሽ ትረጎርድ ሓደ ካብ ቀንዲ ዕላማታት እዚ ተበግሶ ብዛዕባ ባህሊ ዘሎ ኣምር ከስፍሕ ምዃኑ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። እቲ ቀኖና ዝብል ሓሳብ ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ መንግስትን ሽወደን ዲሞክራትን ዝተገብረ ስምምዕ ቲዶ ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com