Sunday , April 28 2024

መንግስቲ ሽወደን: ሰባት: ካብ ኣባይቶም ኮይኖም ስርሖም ከሰላስሉ ከም እንደገና ጸዊዑ

ምሰፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምዕጋት: መንግስቲ: ነቲ ሰባት ካብ ኣባይቶም ኮይኖም ስርሖም ከሰላስሉ ዝብል መምርሒ: መሊሱ ከም ዘትረሮ ተፈሊጡ። እዚ መምርሒ ኣብ ተግባር ንኽውዕል: ኣስራሕቲ: ምቹእ ኲነታት ከደላድሉ ድማ ተላብዩ። 

በዓልመዚ ናይ ስራሕ ሃዋሁን በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕናን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምዕጋት: ብወገን ኣስራሕቲ ክግበሩ ንዝኽእሉ ምኽርታትን መምርሒታትን ከመሓላልፉ ከም ዝግባእ: መንግስቲ: ድሕሪ ምዝኽኻሩ: ሰራሕተኛታት ካብ ኣባይቶም ዝሰርሕሉ ኩነታት ንኽበዝሕ ጸዊዑ።

ዝሰርሕ ዘበለ ኣብ ቤቱ ኮይኑ ይስራሕ ክትብል ሚኒስተር ዕዮ ሽወደን፡ ኢቫ ኖርድማርክ፡ ምስ ሬድዮ ኤኮት ኣብ ዝካየደቶ ቃለ መሕተት ሓቢራ።

ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ኣባይቶም ኮይኖም ክሰርሕዎ ንዝኽእሉ ስራሓት፡ ብኣስራሕቲ ተገዲዶም፡ ናብ ቦታ ስራሕ መጺኦም እናሰርሑ ዝኾነ ዓይነት ጉድኣት ምስ ዝወርዶም፡ እቲ ኣስራሒ፡ ካሕሳ ክኸፍል፡ በዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጥቕሱ በዓል መዚታት ክግደድ ምዃኑ ብተወሳኺ ሓቢራ።

ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታት ኢና ዘሎና፡ ስለዚ ኣስራሕቲ፡ ኣባላቶም ኣብ ኣባይቶም ኮይኖም ከምዘሰላስሉ ክገብሩ ለበዋና ነቕርብ ክትብል ኖርድማርክ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com