Friday , April 26 2024
Credit: Claudio Bresciani/TT

መንግስቲ ሽወደን ን ግብረሽበራ ዝምልከት ሕጊ ከትርር እዩ ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ን ግብረሽበራ ዝምልከት ሕጊ ዘትርር እማመ ክውጽእ ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ብመሰረት እዚ ሕጊ፡ ን ናውቲ ግብረሽበራዊ ውድብ ምዕቃብ፡ ን ግብረሽበራዊ ውድብ መአከቢ ቦታን ንጥፈትን ምድላውን መግቢ ምኽሻንን ዝመስሉ ንጥፈታት ዘይሕጋዊ ክግበሩ ይኽእሉ እዮም ይበሃል ኣሎ። እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ሽወደን ግብረሽበራ ንምቅላስ ዝሓሸ ዓቕሚ ዝህባ እዩ፡ ክብል ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን ጉብናር ስትሮመር ገሊጹ’ሎ።

ባይቶ ሽወደን ነዚ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ዝመጽእ ጽድያ ድምጹ ክህብን እቲ ሕጂ ካብ ሰነ ኣትሒዙ ተግባራዊ ክኸውንን እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ፡ መንግስቲ ሽወደን ገሊጹ’’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com