Thursday , May 9 2024

መንግስቲ ሽወደን ዕላምኡ ንመኸተ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝዉዕል ተወሳኺ ስልጣንን መዝነትን ይረኽብ።

መንግስቲ ሽወደን ዕላምኡ ንመኸተ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝዉዕል ተወሳኺ ስልጣንን መዝነትን ብሕጊ ክዋሃቦ ዘኽእሎ ስምምዕ ተበጺሑ፣ ብመሰረት መሰረታዊ ሕገ መንግስቲ፣ ኣብ ሽወደን መንግስቲ ዘሎዎ ስልጣን ሓላፍነትን ብሕግን ትእዛዝን ባይቶ ሃገር ከምዝምእከልን፣ ኣብ እዋን ህጹጽ ሓደጋ መንግስቲ ብዛዕባ ክወስዶ ዝኽእል ስጉምትታት ብሙሉእነት ዝኸልእ ከምዝጸንሐን፣ ሕጂ ግን ብግዚያዉነት ንህሉዉ መንግስቲ ናይ ምግባር ዓቕሙ ዝድርዕ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ተግባር ክዉዕል ምዃኑ ተፈሊጡ። እዚ መንግስቲ ብዘቕረቦ ርእይቶ፣ ብኹለን ኣብ ባይቶ መናብር ዘሎወን ሰልፍታት ደገፍ ረኺቡ ዘሎ፣ ሓድሽ ግዚያዊ ሕጊ ካብ ዕለት 18 ሚያዚያ ኣብ ተግባር ክዉዕልን፣ ኣብ ባይቶ ሽወደን ቀሪቡ ክጸድቕ ትጽቢት ከምዝግበር ክፍለጥ ተኻኢሉ ።

በዚ መሰረት መንግስቲ ሽወደን ንመኸተ ኮቪድ 19 ኩሎም ኣድለይቲ ዝባሃሉ ስጉምትታት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክወስድን ክዉስንን ዘኽእሎ ስልጣን፣ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ክህልዎ ምዃኑ፣ መራሕ መንግስቲ ስቴፋን ሎቨን ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com