Thursday , May 9 2024
Ali Lorestani / TT / Kod 11950

መንግስቲ ተወሳኺ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ቈልዑ ንዘልዉዎም ስድራ ክገብር እዩ።

መንግስቲ ቈልዑ ንዘልዉዎም ስድራ ዝገብሮ ዝነበረ ፋይናንሳዊ ሓገዝ መንበሪ (bostadsbidrag) ብ 25% ክውስኸሉ እዩ ተባሂሉ። እዚ ብማእከላይን ሊበራላውን ሰልፊታት ደገፍ ዝረኸበ ሓሳብ ኮይኑ መንግስቱ ቆልዑ ንዘለዎም ስድራቤት ናይ መንበሪ ሓገዝ ክገብር ምዃኑ ኤኮት ሓቢሩ’ሎ። “ከም ዝፍለጥ ሰንኮፍ ፋይናንሳዊ ኲነታት ዘለዎም ስድራቤታት ዝዓበየ ብድሆኦም ወጻኢታት መንበሪ ገዛ እዩ” ክብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ድሕነት ኣርዳላን ቻካራቢ ገሊጹ።

መንግስቲ ወጢንዎ ዘሎ ናይ ኣባይቲ ሓገዝ ካብ ባሕቲ ሓምለ ክሳብ መወዳእታ ታሕሳስ ዝጸንሕ እዩ። እዚ ሓገዝ ንመንግስቲ ክሳብ 560 ሚልዮን ክሮና ወጻኢ ክሓቶ ምዃኑ ሚኒስተር ኣባይቲን ዕዳጋን ቢር ፖሉንድ ገሊጻ’ላ። ” ኣብ ቀረባ እዋናት ብፍላይ ብዛዕባ ዕዳጋ ኣባይፉ ብርክት ዝበለ መተሓሳሰቢ መልእኽቲታት ክበጽሓና ጸኒሑ’ዩ” ክብክ ቡሉንድ ወሲኹ ገሊጹ። መንግስቲ ኣብዚ ዓመት 21 ሽሕ ኣባይቲ ናይ ምህናጽ መደብ እኳ እንተጸንሖ ብምኽንያት ኮሮናን ንሱ ዘምጽኦ ዋሕዲ ናውቲን እዚ ክተእጓጉል ከም ዝኽእል ፖሉንድ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com