Monday , April 29 2024
Credit: Anders Wiklund/TT

መንግስቲ ን ወጻኢታት ምክልኽል ብ 2% ሓፈሻዊ እቶት ሽወደን ከዕብዮ እዩ።

መንግስቲ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ን ወጻኢታት ምክልኻል ብ 2% ሓፈሻዊ እቶት ሽወደን ከዕብዮ ድሌት ከም ዘለዎ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ማግዳሌና ኣንደርሾን ገሊጻ።.

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሽወደን ንምክልኻል እትገብሮ ወጻኢታት ክውስኽ ምጽንሑ ዝገለጸ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ኣንደርሾን ትማል ሓሙስ ንባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዘቕረበቶ እማመ ንምክልኻል ዝወጽእ ባጀት ናብ 108 ቢልዮን ክሮና ክብ ክብል ምሕታታ ወሲኹ ኣረዲኡ’ሎ።

ብዘይካዚ መንእሰያት ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ድሉዋት ክኾኑ ጸዊዓ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com