Saturday , April 27 2024
ቅርጺ ክሮና ቫይረስ ስእሊ፥ ማእከል ምክልኻል ሕማማት , EPA / TT

መንግስቲ ኣብ ጒዳይ ኮቪድ-19 ክኽተሎ ዝጸንሐ ስትራቴጂ ክቕይር ሰልፊ ሰንተር ጸዊዑ።

ሰልፊ ሰንተር መንግስቲ ኣካይዱ ኣብ ኣታሕዛ ኮቪድ-19 ክቕይሮ ይግባእ ብምባል ዝሓሰቦ 5 ውጥናትን ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝያዳ መርመራ ክግበርን እማመ ኣቕሪቡ። እዚ ሰልፊ ሕጊታት ብባይቶ ንምሕላፍ ብደረጃ ዞባ ዝያዳ ተዓጻጻፍነትን ከም ዘድልዮ ድማ ሓቢሩ’ሎ። ፖለቲካውያን ሰልፊታት ብሓፈሻ ንመንግስቲን ናይ ኮሮና ቫይረስ ስትራቴጂኡን ክድግፋ እኳ እንተጽንሓ ገሊአን የድሓርሕራ ምህላወን ድማ ተመልኪቱ። ንኣብነት ብዓርቢ ሰልፊ ስቫርያ ደሞክራት ምስ ሰልፍታት ክርስትያናዊ ዴሞክራሲን ሞደራትናን ብምዃን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ መእለዪ ሽማግለታት ዘሎ መጠን ሞት ክጻረ ኣለዎ ኢሎም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com